ሶማል፡ ንሉኣላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዝከላኸል ሃገራዊ ሽማግለ ኣቚማ
——————–0——————
ሶማል፡ “ሃገራዊ ሽማግለ ንምክልኻል ሉኣላውነትን መሬታዊ ሓድነትን” ዝተባህለ ሓድሽ ኮሜቴ ከምዘቖመት፡ ሶማላዊ ተንታኒ ፖለቲካ ራሺድ ዓብዲ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ካቢኔ ነበር ዓብዲራሕማን ኣይንተ፡ ኣዋሃሃዲ ናይዚ ሓድሽ ሽማግለ ኮይኑ ተመዚዙ ከምዘሎ እውን እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ብዛዕባ ዕማማት ናይቲ ሽማግለ ዝተዋህበ ዝርዝራዊ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈራረምኦ ስምምዕ ዓጸፋ ምሃብ ወይ ምምካት እምበር ካልእ ስራሕ ክህልዎ ከምዘይክእል፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይእምቱ ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሶማሊላንድ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈራረመቶ ውዕል ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ምስግጋሩ ኣፍሊጣ።
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ፡ ኣኼባታት ምክያድ፡ ንመደበር ሓይሊ ባሕሪ ክውዕል ዝኽእል ኣማራጺ ቦታታት ምልላይን ናይ ህዝቢ ርእይቶ ምስማዕን ዝኣመሰሉ ስርሓት ከምእተኻየዱ፡ ኣካቢ ናይቲ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ዘወሃህድ ሓይሊ ዕማም ባሺ ሓጂ ዑመር ሓቢሩ።
ሶማሊላንድ ነቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ንምፍርራም ኣብ እትሓልፎ ዘላ መስርሕ ዘማኽራ ሓደ ናይ እንግሊዝ ኩባንያ ቆጺራ ከምዘላ እውን ሓጂ ዑመር ኣፍሊጡ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከብ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ሓበሬታ ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ።