ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብመንግስቲ ስዊዝ ንዝተላእከ ዘዋሪ መልእኽቲ ኮኒኑ።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነቲ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ብጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ተወዲቡ ኣብታ ሃገር ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኤርትራዊ ፌስቲቫል ኣመልኪቱ ናብ ዝተፈላለዩ ሰበልስልጣናት ስዊዝ ኣብ ዝለኣኾ ዘዋሪ ደብዳቤ፡ ነቲ ኤምባሲ ኤርትራ ከካይዱ መዲቡ ዘሎ ፌስቲቫል ብጥንቃቐ ክትትል ክገብርሉ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ናብ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝቐንዐ ቁጥዓ ዝመልኦ ደብዳቤ ከም ዝለኣኸ ተሓቢሩ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናይ መንግስቲ ስዊዘርላንድ መጠንቀቕታ ሓዘል ደብዳቤ፣ ዘይቅቡልን ሓላፍነት ዝጎደሎን ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ መልእኽቲ ሕጋዊ ጸርፊ ብዝለዓለ መልክዒ እዩ ብምባል፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነቲ ናብ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ዝለኣኾ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳቤ ብህጹጽ ክስሕቦ ጸዊዑ።

ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነቲ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ብቑጥዓ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ብዙሕ ግምት ከይሃበ ኣብ መርገጺኡ ብምጽናዕ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ንጥፈታትን ጽምብላትን ናይቲ ኤምባሲ ጥቡቕ ክትትል ክግበር ከም ዝወሰነ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ ኤውሮጳዊ ትካል ሓበሬታ ገሊጹ።

ብሰሪ እቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ኤውሮጳ ጸኒሑ ድማ ኣብ መላእ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ካናዳ ከምኡ’ውን እስራኤል ዝተላዕለ ህዝባዊ ማዕበል፣ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት እኩይ ኣጀንዳታቱ እናፈጸመ ሸይ ሸይ ክብለሉ ዝጸንሐ ፌስቲቫላት ከም ኣመሉ ንኸይቅጽሎ ኣዝዩ ተሸጊሩ ምህላው እዩ ዝሕበር።

እዚ ኸምዚ ኢሉ እናሃለወ፣ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ነቲ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተቓውሞ ዝድግፍ ውሳኔታት ከሕልፋ ይርኣያ ብምህላወን ሓደ ካብቲ ንስርዓት ህግደፍ መንጸሮር ኮይንዎ ዘሎ ጉዳይ ከም ዝኾነ ምንጭታት ትካል ኤሪ-ሳት ይሕብሩ።