ኣብ ትግራይ፡ ንምፍታሕ ዕጥቂ ዝምልከት ምይይጥ ተኻዪዱ
——————–0——————
ኣብ ትግራይ ናይ ቅድም ተዋጋእቲ ዕጥቆም ንምፍታሕ፡ ናብ ሕብረተሰብ ዳግም ንምውህሃድን ንምጥያስን ዝዓለመ ኣፈናዊ ምይይጥ ከምእተጀመረ፡ ኮሚሽነር ሃገራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣቶ ተመስገን ጥላሁን ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ገሊጹ።
ኣብዚ ትማሊ 13 ግንቦት ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ምይይጥ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ዝርከብዎም ወከልቲ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተወከልቲ ፌደራላዊ መንግስትን ተረኺቦም ነይሮም።
ተቖጻጻሪ ኮሚቴ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን እውን ተወከልቶም ከምዘሳተፉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ኣፈናዊ ምይይጥ፡ ኣብ ዝተመርጹ ከባቢታት ዝካየድ ናይ መሮር ዑደትውን ከም ዘጠቓልል፡ ኮሚሽነር ተመስገን ወሲኹ ኣረዲኡ።