ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ዞባዊ ዑደት ይጅምር
——————–0——————
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐሬሎ፡ ንውግእ ሱዳን መፍትሒ ንምንዳይ ናብ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ምስሪን ስዑዲ ዓረብን ክጓዓዝ ምዃኑ ሱዳን ትሪቢዩን ሓቢሩ።
እቲ ልኡኽ ምስ ቀንዲ ዞባዊ መሻርኽቲ ብምርኻብ፡ ግጭት ሱዳን መኸተምታ ንኽረክብ ጻዕርታት ዝሕይለሉ ኣገባባት ክዝቲ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ልኡኽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምውህሃድ፡ ፖለቲካዊ ዘተ ዳግም ንምጅማር፡ ድሕነት በርጌስ ንምሕላው ዘድሊ ጸቕጢ ንምግባር፡ ድምጺ ተዅሲ ንምህጣም፡ ብኡ ኣቢልካ ከኣ፡ ብስቪል ናብ ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምስግጋር፡ ምስ መሻርኽቲ መንግስታት ክመያየጥ እዩ።
ብተወሳኺ ፐሬሎ፡ ምስ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ፡ ተቓወምቲ ኮሚቴታት፡ ውድባት መንእሰያትን ደቀንስትዮን ካልኦት ማሕበራዊ ሓይልታት ሱዳንን ብምርኻብ፡ ውግእ ሱዳን ዝውድኣሉ መንገዲ ብዝምልከት ርእይቶታቶም ክሰምዕ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ