ሳልሳይ ዙርያ ምይይጥ ህ.ወ.ሓ.ት.ን ብልጽግናን ተኻዪዱ።
——————–0——————
ሳልሳይ ዙርያ ናይቲ ኣብ መንጎ ህ.ወ.ሓ.ት.ን ብልጽግናን ዝተጀመረ ናይ ሰልፊ ንሰልፊ ምይይጥ፡ ሎሚ 15 ግንቦት ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ።
ኣብዚ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት.ን ላዕለዎት ተወከልቲ ሰልፊ ብልጽግናን ዝተሳተፍዎ ምይይጥ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣቐዲሞም ንዝተበጽሑ ናይ ሰልፊ ንሰልፊ መትከላት ርክብ ብምዝካርን ተጀሚሩ ንዝጸንሐ ቀንዲ ቀንዲ ኣጀንዳታት ናይ ምፍላይ መስርሕ ብምዝዛምን፡ ኣብ መስርዕ ኣጀንዳታት ምዝታዮምን ኣብ ምርድዳእ ምብጽሖምን፡ ካብታ ከተማ ዝወጹ ሓበሬታት ኣመልኪቶም።
ክልቲአን ሰልፍታት ንምርግጋጽ ነባሪ ሰላም ብሓባር ብቖራጽነት ክሰርሓ ብምስምማዕ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ራያ ንዘጋጠመ ግጭት ብዝምልከት ብዝርዝር ተዛትዮም። እቲ ፍጻመ ክኸውን ዘይነበሮን ምስቲ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዝተጀመረ መስርሕ ዝጻረርን ምዃኑ ከኣ ተረዳዲኦም።
ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ እናፈታሕካ ንምኻድ፡ ክልቲኦም ወገናት በብወገኖም ፖለቲካዊ እጃሞም ንምፍጻምን ብቖራጽነት ንምስራሕን ተሰማሚዖም። ዝህልዉ ናይ ኮሚዩኒኬሽን ስርሓት ነቲ መስርሕ ሰላም ዝድግፉን፡ ግጭት ዘለዓዕሉ ዘረባታትን ትሕዝቶታትን ዘይብሎምን ክኾኑ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።
ኩሎም ግጭት ዝፈጥሩ ኣጋውላታትን ዝንባለታትን ብሓባር ንምክልኻል፡ እንተተራእዮም ድማ ብቕልጡፍ ንምቁጽጻሮም ብሓባር ክሰርሑውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ባይታ ንምውራድ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ዕማማት ንምስላጥ፡ ክልቲኦም ወገናት ምቹእ ፖለቲካዊ ሃዋሁው ክፈጥሩን ሓላፍነቶም ከልዕሉን ኣብ ስምምዕ በጺሖም።
ኣብ ዝቕጽል ዙርያ፡ ኣብ ካልኦት ኣጀንዳታት ምይይጥ ክህሉ ምዃኑ ድማ ተገሊጹ ኣሎ።