ሎሚ ዕለት 15 ግንቦት 2024 ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚንስተር ስሎቫክያ ሮቤርቶ ፊኮ ናይ ቕትለት ፈተነ ከም ዝተኻየደ ከም በዓል CNN, BBC ዝኣመሰላ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

ፖሊስ ነቲ ንቀዳማይ ሚንሰተር ሮቤርቶ ፊኮ ብሽጉጥ ተኲሱ ፈተነ ቅትለት ዘካየደ ጥርጡር፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተውዎ ክሕብሩ እንከለው፣ ፕረሲደንት እታ ሃገር ዝኾነት ዙዛና ካፑቶቫ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚንስተር ስሎቫክያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒናቶ ኣላ።

ብመሰረት ካብታ ሃገር ዝተሰምዐ ዜና፡ ቀዳማይ ሚንስተር ስሎቫክያ በቲ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ብምህሳዩ፣ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ከም ዝርከብ’ዩ ዝሕበር ዘሎ።