This handout photograph taken and released by Ukrainian Presidential Press Service on November 3, 2023, shows Ukraine's President Volodymyr Zelensky inspecting the latest models of artillery and engineering weaponry during a visit to a training center to mark the "Missile Forces and Artillery and the Engineering Troops" Day at an undisclosed location in Ukraine, amid the Russian invasion. XGTY / XGTY / RESTRICTED TO EDITORIAL USE - MANDATORY CREDIT "AFP PHOTO / Ukrainian Presidential Press Service " - NO MARKETING NO ADVERTISING CAMPAIGNS - DISTRIBUTED AS A SERVICE TO CLIENTS (Photo by Handout / UKRAINIAN PRESIDENTIAL PRESS SERVICE / AFP) / XGTY / XGTY / RESTRICTED TO EDITORIAL USE - MANDATORY CREDIT "AFP PHOTO / Ukrainian Presidential Press Service " - NO MARKETING NO ADVERTISING CAMPAIGNS - DISTRIBUTED AS A SERVICE TO CLIENTS

ፕረዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣህጉራዊ መገሻታቱ፡ንካልእ ጊዜ ከምዘሰጋገሮ ተፈሊጡ።

ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ካብ ኬቭ ከም ዝሕብሮ፡ሓይልታት ሩስያ ብዞባ ካርኪቭ ኣቢሎም ናብ ዩክሬን ኣብ ዝግስግስሉ ዘለዉ እዋን፡ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ኣብ ዝቅጽሉ ሒደት መዓልታት ከካይዶም ሓሲቡ ዝነበረ፡ኩሎም ዓይነታት ኣህጉራዊ መገሻታት ከም ዘሰጋገሮም ኣመልኪቱ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ዝተወሃበ መግለጺ፡ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝቅጽሉ መዓልታት ተመዲቦም ዝነበሩ ኩሎም ንዕኡ ዘሳትፋ፡በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ንካልእ ግዜ ከከም ኣድላይነቱ ክናዉሑን ንመገሻታቱ ዝምልከት ድማ ሓደስቲ ዕለታት ክግበረሎምን መምርሒ ከም ዝሃበ ተገሊጹ።

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ጀነራል ዩክሬን፡ኣብ ካርኬቭ ዉግእ ብዝሓየለ መልክዑ ይካየድ ምህላዉ ስዒቡ ከጠንቅቕ ኡብምኽኣሉ፡ሙሉእ ትኩረት ክግበር ስለ ዝተደለየ መገሻታት ዘለንስኪ ከሰጋገር ተወሲኑ ዘሎ።

ሩስያ፡ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር፡ካብ እትጅምር ልዕሊ ክልተ ዓመት ዘቁጸረት ኮይና፡ዘለንስኪ ምስ መሓዙት ሃገራት ዘለዎ ርክባት ብምሕያል፡ካብ ሞስኮ ዝመጽእ ምዕባለታት ንምዕጋት እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ጻዕርታት ልዑል አቓልቦ ንምርካብ ተቃሊሱን ይቃለስ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ዘለንስኪ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ኣስታት 61 ቢልዩን ዶላር ዝግመት ሓድሸ ፓኬጅ ሓገዝ ንዩክሬን ክወሃብ ድሕሪ ምድማጾም ምስጋንኡ ሂቡሉ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መራሕቲ ኤዉሮጳ፡ከም ኣካል ናይ’ቲ 54 ቢሊዩን ዶላር ዝግመት ፓኬጅ ንዩክሬን ስሩዕ ክፍሊት ንምኽፋል ዝዓለመ ዉጥን ኣጽዲቖም ከም ዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ።