ሰራዊት ሶማል ትሽዓተ ኣባላት ኣልሸባብ ቀቲሉ
——————–0——————
ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ኣብ ማእከላይ ዞባታት ናይታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ፡ ትሽዓተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝቐተለን ዓሰርተ ካልኦት ከምዘቝሰለን መንግስታዊ ማዕከናት ዜናታ ሃገር ሓቢረን።
ኣብዚ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምውህሃድ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት፡ ተሽከርከርትን ካልእ ወተሃደራዊ ንዋትን ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ እውን ከምዝዓነወ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ዞባታት ጋልጋዱድን ማእከላይ ሸበሌን ዝካየድ ዘሎ ዳህሳስ ይቕጽል ከምዘሎን፡ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ኣብቲ ከባቢታት ንዝተበታተኑ ኣባላት ኣልሸባብ ናይ ምቕራም ስርሓት የካይድ ምህላዉን ዝጠቐሳ መራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዝዚ ኣፍሪቃን መሰጋገሪ ተልእኾ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ሶማልን ኣብቲ ስርሒት ንጡፍ እጃም የበርክቱ ከምዘለዉ ኣነጺሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንኣመሪካዊ ዲፕሎማት ጀይምስ ክሪስቶፈር ስዋን ከም ምክትል ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልን ሓላፊ ተልእኾ ደገፍ ናይቲ ውድብ ኣብታ ሃገርን ገይሩ ከምዝመዘዞ ጋሮወኦንላይን ሓቢሩ።
ዳግማይ ናይ ሶማል ተልእኾ ዝወሃቦ ዘሎ ጀይምስ ስዋን ነታ ለንቅነ ዝተፋነወት ብሪጣንያዊት ዲፕሎማት ካትርዮና ላይንግ ተኪኡ ነቲ ሓላፍነት ከምእተረከቦን በዚ ሓላፍነትዚ ብግዜያውነት ከገልግል ምዃኑን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ኣቐዲሙ፡ ካብ 2019 ክሳብ 2022 ከም ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልን ሓላፊ ተልእኾ ደገፍ ናይቲ ውድብ ኣብታ ሃገርን ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።