ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጸዊዑ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ኤርቪንግ ማሲንጋ፡ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኣብ’ቲ መእከቢ ቦታ ግቢ፡ኣብ ዓመተ 1937 ንዝተፈጸመ ቅትለት ብምዝካር ኣገዳስነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ንምውጋድ ጎንጺ ዘድሊ ክፉት ዘተን ብምዝርዛ ኣረዲኡ።
ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ መድረኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኢትዮጵያ፡ከም ኣብ ትግራይ፣ኣምሓራን ኦሮምያን፡ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝርአ ዘሎ ግጭታት ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ዝዓረፍሉ ኣገባብ ክደልይ ጸዊዑ።
ኣብ’ቲ ክህሉ ዝድለ ክፉት ዘተ ኣድሂቡ፡ዝተፈላለዩ ኣካላት፥ መንግስቲ ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽትን ዝከኣሎም ክግበሩ ምዃኖም ኣስሚሩ ከም ዝተዛረበሉ ኣብ ወግዓዊ ማሓበራዊ መራኽቦ እቲ ኤምባሲ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።
“ኣሳታፊ፥ሓቛፊን ናጻን ፖለቲካዊ ዘተን፡ንርግኣት ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ኣዝዩ ወሳኒን ፖሊሲ ኣመሪካ ዝድግፎን’ዩ።”-ዝበለ ኣምባሳደር ማሲንጋ፡በቲ ኣጋጣሚ ድማ እቲ ዝካይድ ዘሎ በበይኑ ጎንጽታት ዓሪፉ፡መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረሉ እዋን ክርኢ ዘለዎ ተስፋ ከም ዘካፈለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።