
ቀዳማይ ሚኒስተር ስሎቫክያ፡ ብጥይት ድሕሪ ምህራሙ፡ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስሎቫክያ ሮበርት ፊኮ፡ዝተረጋግአ እኳ እንተመሰለ ኩነታቱ ግን “ኣዝዩ ከቢድ” ከም ዘሎ ምክትሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ክትብል ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ጸብጺባ።
ወዲ 59 ዓመት ፊኮ፡ኣብ ማእከላይ ከተማ ሃንድሎቫ ሓሙሽተ ግዜ ብጥይት ድሕሪ ምህራሙ፡ኣብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ኩነታት ብምንባሩ፡ንሓያሎ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ ከም ዝተገበረሉ፡ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሮበርት ካሊናክ ሓቢሩ።
“ዘሕዝን ግን እቲ መጉዳእቲ ዝተሓላለኸ ስለ ዝኾነ እቲ ኩነታት ገና ኣዚዩ ከቢድዩ” ክብል ሚኒስተር ምክልካል እታ ሃገር ካሊናክ ወሲኹ ገሊጹ።
ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺምዎ ዝተበሃለ ወዲ 71 ዓመት ጸሓፊ፡ ቅድሚ ሕጅ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ስሎቫክያ ጸብጺበን።
ፕረዚደንት ስሎቫክያ ዙዛና ካፑቶቫ፡ፓለቲካዊ ወጥሪ ክሃድእ ድሕሪ ምጽዉዓ፡ንኹሎም መራሕቲ ፓርላማ ንሓባራዊ ኣኼባ ክትጽዉዕ ምዃና ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት ማቱስ ሱታጅ፡ እቲ ዝተኻየደ ቶክሲ ፓለቲካዊ መልእኽቲ ከም ዘለዎን ዉሳነ እቲ ገበነኛ ድሕሪ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዝተወልደ ምዃኑ ኣገንዚቡ።
መራሕቲ ሃገራት፡ሩስያ፣ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን፡ነቲ መጥቃዕቲ ብምዂናን፡ “ተቀባልነት ዘይብሉ’ዩ።” ምባል ቀዳማይ ሚኒስተር ፊኮ ምሉእ ብምሉእ ክሓዊ ተመንዬም።
እታ ኣስታት 5.4 ሚሊዩን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርጉእ ፓለቲካዊ ክትዓት ከረኣየላ ክኢሉ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ን-ፊኮ፡ኣብ ስልጣን ዘለዎ ምቁጽጻር ከጽንዕ ሓጊዝዎ እዩ።