ኣብ ኬንያ ዝፈረሰ ህንጻ፡ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱ።
ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ፡ኣብ መስርሕ ምፍራስ ዝነበረ ሓደ ህንጻ ብምውዳቑ፥ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ጉድኣት ምውራዱ፥እቶም ሰለስተ ካብ’ቶም ድማ ኣዝዮም ዝተጎድኡ ምዃኖም ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ናብ ወሓዚ ፈለግ ኣዝዩ ዝተጸገዐ ህንጻ ክፈረስ ብምውሳኑ፡ኣብቲ ህንጻ ዝነብሩ ካብ ዝነበሩ ሰባት ካብኡ ንክወጹ ትእዛዝ ተዋሂቡ ምንባሩ እቶም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ዝሃብዎ ሓበሬታ ይሕብር።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ካብ’ቲ ፍርስራስ ሓያለ ሰባት ምውጽኦም ክፍለጥ ከሎ ዝተረፉ ከይህልዉ ድማ ኣብ መስርሕ ዳህሳስ ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ማዕከናት እታ ሃገር የገንዝቡ።
ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ብዝረኣ ዘሎ ብርቱዕ መጠን ዝናብ፥ብውሑዱ ህይወት 283 ሰባት ግዳያት ሞት ከም ዝገብረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።