መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ከቲሞም
——————–0——————
መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ተቓወምቱ ዝኾኑ ጉጅለታትን፡ ትማሊ 16 ግንቦት ኣብታ ሃገር ነባሪ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም።
ነዚ ታሪኻዊ ምዃኑ ዝተገልጸን ቱመይኒ (ተስፋ) ዝተሰምየን ስምምዕ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሱዳንን ክልተ ተቓወምቲ ሓይልታት ናይታ ሃገርን ክታሞም ኣንቢሮምሉ ኣለዉ።
ኣምበሳደራት፡ ኮሚሽነራትን ወከልትን ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ቻይና፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ዝተረኽብሉ ስምምዕ ቱመይኒ፡ ነቶም ኣብ 2020 ዝተፈረሙ ስምምዓት እውን ዝሓቁፍ ምዃኑ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ሓቢሩ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ዝተረኽበ ፕረዚደን ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእን፡ ዲፕሎማሰኛታት ንዝገበርዎ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኣመስጊኑ።
ነቲ ኣብ ናይሮቢ – ርእሰ-ከተማ ኬንያ፡ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት፡ ሓቀኛ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳንን ስሙር ግንባር ደቡብ ሱዳንን እዮም ፈሪሞምዎ።