ኣልሸባብ፡ ፕረዚደንት ሶማል ሓፊሰዮ ንዝብሎ ዓወታት የከሻምሽ
——————–0——————
ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ነቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብምንጻግ፡ ምምሕዳር ናይቲ ፕረዚደንት ፍሹል ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ዘምጽኦ ፋይዳ ከምዘየለን ብትሪ ነቒፉ።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብዝተኻየደ ምርጫ ስልጣን ካብ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ዝተረከበ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ናይ ስልጣኑ ንዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ከጥፍኦ ምዃኑ እኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ ኣብዚ ናብ ሳልሳይ ዓመት ዘመነ ስልጣኑ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን ግና፡ ኣልሸባብ ክጠፍእሲ ይትረፍ፡ መሊሱ ኣጕላዕሊዑ ምህላዉ እዮም ናይ ፖለቲካ ተዓዘብቲ ዝገልጹ።
እቲ ዕጡቕ ጉጀለ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ጋልኣድ፡ ኣውስወይንን ኣልላሂላይን ዝተባህሉ ከባቢታት ብዕጡቓት ኣልሸባብ ንዝወረዶም ክሳራን ዝተጎልበብዎ ስዕረትን ብምዝካር፡ ምምሕዳር ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ዝፈልዮ ነገር ከምዘየለ ወቒሱ።
ኣዝዩ ብዝተዋዓውዐን ነታ ሃገር ናብ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ዝገማምዐን ምርጫ ናብ ስልጣን ንዝመጸ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድማ “ድሕሪ ውድቀት ዝመጸ ውድቀት” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።