ደቡብ ኮርያ፡ሰሜን ኮርያ ፈተነ ‘ባሊስቲክ ሚሳኤላት’ ኣካይዳ ክትብል ከሲሳ።
ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ናይ ሓባር ልምምድ ድሕሪ ምክያዶም ስዒቡ፡ሰሜን ኮርያ ናብ ባሕሪ ጃፓን ገጽ ዝኸይድ ናይ ሓጺር ርሕቀት “ባሊስቲክ ሚሳኤላት” ስዉር ነፈርቲ ዉግእ ተጠቒማ ከም ዝተኮሰት ከሲሳ።
እቲ ፈተነ ሚሳኢላ፡ካብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ሰሜን ኮርያ፡ዞባ ወንሳን ዝተገብረ ምኻኑን፡ደቡብ ኮርያ ብኣንጻሩ ናይ ምክትታል ኣቃዉማኣ ኣደልዲላ፡ንኩሉ ዝመጻ ተጻብኦ ንምምካት ተዳሊያ ከምዘላ፡ ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ደቡብ ኮርያ ገሊጾም ክትብል ማዕከንዜና ኣልጀዚራ ጸብጺባ።
ክልተ ናይ ደቡብ ኮርያ ኤፍ-35ኤን (F-35N)፡ ክልተ ናይ ኣሜሪካ ኤፍ-22 (F-22) ራፕተርን፡ኣብ ልዕሊ ሰማያት ማእከላይ ዞባ ደቡብ ኮርያ ልምምድ ምክያደን ስዒቡ’ዩ፡ ሰሜን ኮርያ ከም ወራር ሰለ ዝቆጸረቶ ከም ግብረ-መልሲ ፈተነ ባሊስቲክ ሚሳኤላት ዘካየደት።
ሰሜን ኮርያ፡ብወገና ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከካይድኦ ሓንጺጸንኦ ዘለዋ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ከም እትኩንኖን እንተካይደን ከኣ ዓጸፋዊ ግብረ-መልሲ ክትህብ ምዃና አጠንቂቓ።
ወግዓዊ ማእከላይ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ (KCNA)፥ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ መንግስቲ ዋሽንግተን ተጻባኢ ዕላማ የብለይን ትብል ዘላ፥ካብ ምስሉይነትን መደናገሪን ሓሳብ ሓሊፋ ትርጉም ከምዘይብሉ ገሊጻ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሰሜን ኮርያ 600ሚ.ሜ ዝቑመቱ Super-large Warhead” ልዕሊ ዓቀን ዝኾነ ርእሲ ዉግእ፡ ናብ ተመሳሳሊ ከባቢ ተኲሳ ምንባራ ይዝከር።
ሰሜን ኮርያ፡ባሊስቲክ ሚሳኢል ቴክኖሎጂ ከይትጥቀም ብብዙሕ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ዝተኸልከለት እኻ እንተዀነት፡ቀንዲ መሓዝኣ ሩስያ ግን ኣብ ወርሒ መጋቢት ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሃበቶ ናይ ቬቶ ድምጻ ተጠቂማ ምክትታል ጥሕሰት ሕቡራት ሃገራት ብኣድማዒ መገዲ አቛሪጻቶ እያ።
ዘተ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ሰሜን ኮርያ አጽዋር ናብ ሞስኮ ተሰጋግር ኣላ ዝብል ክስታት ይምርምር ኣብ ዝነበረሉ፡ንዑኡ ዘራጉድ ደቡብ ኮርያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም ዝሓበረቶ፡ካብ ወርሒ ሓምለ 2023 ጀሚሩ አሰታት 7 ሽሕ ኣጽዋር ዝጸዓና ኮንተይነራት፡ናብ ሩስያ ከም ዝለኣከት ገሊጻ።
እታ ሓያል ሓፍቲ ንፕሬዚደንት ኪም ዝዀነት ኪም-ዮ-ጆንግ፡እታ ሃገር እትጥቀመሉ ኣጽዋር ኣንጻር ወተሃደራዊ ወራር ደቡብ ኮርያ ምዃኑን ፡እቲ “ንወጻኢ ኣጽዋር ትሸይጥ እያ” ዝብል ክሲ ግና ተቀባልነት ከም ዘይብሉ ገሊጻ።
ሰሜን ኮርያ፡ዝሓለፈ ሰሙን ንወተሃደራታ ኣብዚ ዓመት 240 ሚሜ ዝዓቐኑ ብዙሕ ሮኬት ላንውቸር ከተዕጥቅ ምዃና ምግላጻ፡ ኣብ ዓቕሚ ሰራዊት መዳፍዕ ዉግእ “ዓቢይ ለዉጢ” ይካየድ ከምዘሎ ወሲኻ ገሊጻ።