ትማሊ ዓርቢ ፖሊስ ፈረንሳ ንሓደ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ሓዊ ዝረኩዐ ኣልጀርያዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ተኲሶም ከም ዝቐተሉ ተሓቢሩ።
ከንቲባ ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ትርከብ ከተማ ሩወን፣ እቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ብኸቢድ እኳ እንተተሃስየ ዝተጎድአ ሰብ ግና የለን ኢሉ ድሕሪ ምሕባር በቲ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ኖርማንዲ ኣዝዮም ተሰናቢዶም ከም ዘለው ሓቢሩ።
እቲ ብፖሊስ ዝተቐትለ ግለ-ሰብ፣ ናብቲ ቤት ጸሎት ብምሕዃር ተተኳሲ ንጥረ-ነገር ከም ዝደርበየ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣልጀርያዊ፣ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ሓደጋ ባርዕ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣብ ኢዱ ካራ ሒዙ ናብ ሓደ ፖሊስ ገጹ ይጎዪይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ እቲ ፖሊስ ሓሙሽተ ጊዜ ተኲሱ ከም ዝቐተሎ ምንጭታት ካብቲ ኸባቢ ሓቢሮም።
ናይ ፈረንሳ ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝኾነ ገራልድ ዳርማኒን፣ ነቶም ኣብ ከተማ ሮወን ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፣ እቲ ኣብ ዝተቐደሰ ቤት-ጸሎት ኣይሁድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ጸረ- ሴማዊነት ወይ ጽዮናውነት ከም ዝኾነ ብምሕባር ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ ኣይሁዳውያን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘይቅቡልን ጽዩፍን ክብል ኮኒንዎ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣልጀርያዊ፣ ሕክምናዊ ክትትል ንኽገብር ናይ መንበሪ ፍቓድ ሓቲቱ ብኢምግሬሽን ፈረንሳ ተነጺጉ ከም ዝነበረ ሓለፍቲ ሓውሲ ከተማ ኖርማንዲ ገሊጾም። ሰበ-ስልጣን ኖርማንዲ ወሲኾም፣ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ብጉነጻዊ ባህርያቱ ዝፍለጥ ኣልጀርያዊ ዜጋ ካብ ፈረንሳ ንኸይባረር ናይ ይግባይ ሕቶ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ ሕቶኡ ግና ተቐባልነት ከየረኸበ ከም ዝተረፈ ሓቢሮም።
ናይቶም ኣብ ኖርማንዲ ዝርከቡ ማሕበረ-ሰብ ኣይሁድ ፕረሲደንት ዝኾነት ናታሻ ቤን ሃይም፣ መናድቕ ናይቲ ቤት-ጸሎት ኣይሁድ ብቓጸሎ ሓዊ ከም ዝጸለመ ብምሕባር፣ በቲ ፍጻሜ ብዘይ መጠን ከም ዝሓዘነት ንጋዜጠኛታት ገሊጻ።
ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዝኾነ ዳርማኒን፣ ነቲ ንዝዓጠቖ ብረት ኣብ መዓላ ዘውዓለ ወዲ 25 ዓመት ኣባል ፖሊስ ድሕሪ ምምጓስ፣ ነቲ ካራ ሒዙ ናብኡ ዝጎዪ ዝነበረ ኣሸባሪ ተኲሱ ምቕታሉ ቅኑዕ ውሳኔ ከም ዝነበረ ብምሕባር እቲ ኣባል ፖሊስ በቲ ዝፈጸሞ ተግባር ሽልማት ክወሃቦ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ናይ ቶኽሲ ልልውጥ ድሕሪ ምክያዱ፣ እቲ ኤምባሲ ምሉእ ብምሉእ ብጽኑዕ ሓለዋ ከም ዝተሓትመ ተሓቢሩ።
ምስቲ ኣብ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓይልታት ሓማስን ኣብ ዞባ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኣይሁዳውያንን ኤምባሲታት እስራኤልን ጸቕጥታትን ዘይተደለየ ተቓውሞታትን ብተደጋጋሚ ይርአ ምህላው ይፍለጥ።