ኣብ ግጭት ሱዳን 16 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
——————–0——————
ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ልዕሊ 16 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን 33 ሽሕ ካልኦት ከምዝቖሰሉን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሱዳን ሺብል ሳሕባኒ ብዓርቢ 17 ግንቦት ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ 17 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሱዳን ካብ መረበቱ ከምእተመዛበለ፡ እዚ ከኣ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ምምዝባል ምዃኑ ኣስሚሩ። ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ብፍላይ ኣብ ኣልፋሸር ዝማዕበለ ዕግርግር ንተበጻሕነት ኣገልግሎታት ጥዕና ኣዝዩ ከምዝደረቶ ብምግላጽ ከኣ፡ ንስቓይ ናይቶም ዝተመዛበሉን ኣብቲ ናይ ግጭት ወረዳታት ዘለዉን ኣጋዲድዎ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ሕጽረት መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒትን ካልኦት መሰረታውያን ነገራትን ኣዝዩ ገኒኑ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ብግዲኡ፡ ከም ሸሮኽ፡ ንፍዮን ዓሶን ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብቕልጡፍ ንክላብዑ ናቱ እጃም የበርክት ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ኣንጸላልዩ ዘሎ ናይ ዓጸቦ ደበናውን፡ ንኩነታት ጥዕና፡ ብፍላይ ናይቶም ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባት፡ ዝያዳ ከምዘጋድዶ ብምምልካት ከኣ፡ ሺብል ሳሕባኒ፡ ህጹጽ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ፡ እዛ ኣብ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣትያ ዘላ ሃገር መወዳእትኣ ክጽብቕ ከምዘይክእል ኣጠንቂቑ።