ንፕረዚንደት ኢራን ዝሓዘት ሄሊኮፕተር ብሓደጋ ምኽንያት ብሕማቕ ከም ዝዓለበት ተሓቢሩ።
ንፕረዚንደት ኢራን ዝሓዘት ሄሊኮፕተር ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠማ ምውዳቕ ሃለዋት ናይ ፕረስደንት ኢራን ኢብራሂም ራኢስን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ዝኾነ ሑሴን ኣሚራዶላህያን ከም ዘይተፈልጠ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ሓቢራ።
ጠንቂ ሓደጋ ናይታ ንፕረስደንት ኢብራሂም ራኢስን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኣሳፊራ ዝነበረት ሄሊኮፕተር እንታይ ምዃኑ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ማዕቢሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ነቲ ዝተፈጥረ ሓደጋ ናይ እስራኤል ኢድ ክህልዎ ከም ዝኽእል ክገልጹ ይስምዑ ኣለው።