ኣብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ 75 ሽሕ ዕጡቓት ተጋሩ ክጣየሱ ምዃኖም ተሓቢሩ

——————–0——————

ሃገራዊ ኮሚሽን ምጥያስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝሰላሰል ቀዳማይ ዙርያ ናይ ምጥያስ መደብ፡ ን75 ሽሕ ተጋሩ ዕጥቆም ኣፍቲሑ፡ ዳግም እግሪ ከትክሎም ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ዙርያ ምፍታሕ ዕጥቅን እግሪ ምትካልን ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ መቐለ ድሕሪ ዝተኻየደ ምይይጥ እዩ። እቲ ኮሚሽን፡ ብሓፈሻ ብደረጃ ሃገር ንዝትግበር መደብ ምጥያስ 750 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ምግላጹ፡ ሬድዮ ዋዜማ ሓቢራ። እቲ ናይ ምጥያስ መደብ ኣብ ኣርባዕተ ዙርያታት ዝትግበር ኮይኑ፡ ኣብኡ ዝሕቆፉ ናይ ቀደም ተዋጋእቲ 274 ሽሕን 800 ምዃኖም እታ ሬድዮ ንሓበሬታ ናይቲ ኮሚሽን ብምጥቃስ ኣነጺራ።