ማንቸስተር -ሲቲ
ኢንግሊዛዊት ክለብ ማንቸ-ሲቲ፡ተዓዋቲት ፕሪምየር -ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ ምኳና ኣረጋጊጻ።
ማንቸ-ሲቲ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ዓመታት ተዓዋቲት ፕሪምየር-ሊግ ምዃና ስዒቡ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣጽሒፋ ትርከብ።
ማንቸስተር-ሲቲ፡ኣብ መበል 38 ሰሙን ግጥም ፕሪምየር-ሊግ፡ኣብ ሜድኣ ንዌስትሃም-ዩናይትድ ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ብቀሊሉ ብዙሕ ከይተፈተነት እያ ተዓዊታ።
ገና እቲ ጸወታ ጅምር ምስበለ፡ ብብሉጽ ተጻዋታይ ፕሪምየር-ሊግ ዓመተ 2023/24 ዝዀነ ፊል-ፎደን ተሓጊዛ ሸቶ ኣብ መበል ክልተ ደቂቃ ኣመዝገበት።
ነቲ ፈተና ካብ ዌስትሃም ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝተበሃለ ኣቕሊልዎ፡ኣይጸንሓን ፎደን ኣብ መበል 18′ ደቂቃ ካልኣይቲ ሸቶ ወሰከ ጸወታ’ዉን ብፍጹም ዓብላልነት ሲቲ ቀጺሉ፡ክለብ ዌስትሃም ብኣዚያ ትድነቅ ሸቶ መሓመድ-ቅዱስ ኣብ መበል 42′ ደቂቃ ሸቶ ስለ ዝረከበት፥እቲ ጸወታ ናበይ ገጹ ከምርሕ ዝብል ሕቶ ክለዓል ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ናይቲ ጸወታ ሲቲ፥ ካብ ሮድሪ ሳልሰይቲ ሸቶ ብምዉሳኻ እቲ ጸወታ 3-1 ተወዲኡ።
ሲቲ ከኣ ብ 91 ነጥቢ ተዓዋቲት ፕሪምየር -ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ ንመበል ራብዓይ ግዜ ኣኸታቲላ ብምዉሳድ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ጨቢጣ።
ዴንማርካዊ አጥቃዓይ ማንቸስተር-ሲቲ ኤርሊንግ-ሃላንድ፡ኣብ 31 ግጥማት ተሰሊፋ 27 ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ ብምኳኑ፡ ዝለዓለ ሸቶ ኣመዝጋቢ ፕሪምየር-ሊግ ዓመተ 2023/24
ብምዃን ተሸላሚ ወርቂ ጫማ ኮይኑ ኣሎ።
ሃላንድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ዉን፥ ኣብ 35 ግጥማት 36 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ተዓዋቲ ወርቂ ጫማ ምንባሩ ይዝኸር።
ሃላንድ ናብ ሲቲ ካብ ዝፍርም ኣብ ክልተ ዓመቱ ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ወርቂ ጫማን ፕሪምየር-ሊግን ክብሪ ተጎናጺፋ ኣሎ።ወዲ 23 ዓመት ሃላንድ መበል 5ይ ተጻዋታይ ኮይኑ ኣኸታቲሉ ክልተ ዓመት ወርቂ ጫማ ብምዉሳድ፡ ድሕሪ፣አለን-ሽረር፥ሄነሪ፥ቫን-ፔርሲን፥ ማይክል-ኦዌን ተሰሪዑ።
ኢንግሊዛዊ ተጻዋታይ፡ፊል-ፎደን ብሉጽ ተጻዋታይ ፕሪሚየር-ሊግ ዓመተ 2023/24 ተባሂሉ ካብ ማንቸስተር-ሲቲ ተመሪጹ እዩ።
ሲቲ ብተወሳኺ ን23 ዝኣክል ግጥማት፡ኣብ ጸወታ ፕሪሚየር-ሊግ ከይተሰዓረት ትጓዓዝ ዘላ ክለብ እያ።
ፕሪምየር-ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ፡
መበል 38 ሰሙን ግጥማት ፕሪምየር -ሊግ ትማሊ ብ10 ግጥማት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ተካይዱ።ሲቲ ሻምፒዬን ምዃና ኣረጋጊጻ።
ኣርሰናል ኣብ ሜድኣ ንኤቨርተን ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ኢድሪሳ-ጉየ ሃሪሙ ራይስ ኣንፈታ ኣቀይሩ ብዝተመዝገበት ሸቶ ኤቨርተን 1-0 ክትመርሕ ጀሚራ እኳ እንተነበረት፡ኣርሰናል ብቶሚያሱ ቅድሚ ዕረፍቲ፡ጸወታ ክዉዳእ ሒደት ደቃይቕ ምስተረፎ ካይ-ሃቫርት ብዘመዝገብወን ክልተ ሸቶታት 2-1 ተዓዊታ፡ንካልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ወዲኣ።
ኣርሰናል ድሕሪ 20 ዓመት ተዓዋቲት ፕሪምየር-ሊግ ክትከዉን ዝነበራ ሕልሚ ከይሰመረ ተሪፉ።
ንአሰልጣኒኣ ጽቡቕ ናይ ምፍናዉ ስነ-ስርዓት ዘካየደት ሊቨርፑል ድማ ኣብ ልዕሊ ዎልብስ 2-0 ተዓዊታ፡ክልተ ሸቶታት ከኣ ካብ ማካ-ሊስተርን ኩዋንሻን እያ ረኺባተን።
ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛማ ዘረጋገጸት ኣስቶን-ቪላ ብክለብ ክሪስታል-ፓላስ ዘሕፍር ናይ 5-0 ስዕረት ኣጋጢምዋ።
ኣብ ጽቡቕ ቁመና ዘሎ ጄኣን-ማቴታ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ሃትሪክ ሰሪሑ፡አዜ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ቶተንሃም ንክለብ ሸፊልድ 3-0 ብመስዓር ሐምሻይ ደረጅኣ ዓቂባ ወጺኣ።ክልተ ሸቶ ካብ ኩሉ-ሰቪስኪ፡እታ ሳልሰይቲ ሸቶ ከኣ ፔድሮ-ፖሮ ኣመዝጊቦመን።
ቸልሲ ንቦርንማ-ዉዝ 2-1፡ኣብ ዝሰዓረትሉ ኣብ እዋን ክረምቲ ብዝለዓለ ክፍሊት፡ካብ ብራይተን ዘሰጋገረቶ ካሴይዶ ኣዝያ ጽብቕቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ፡ካልኤይቲ ሸቶ ቸልሲ ስተርሊግ ኣመዝጊብዋ፡ 6ይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።
ማንቸስተር-ዩናይትድ ብሸቶታት ዳሎትን ሆጅሉን ተሓጊዛ 2-0 እኳ እንተተዓወተት፡ዝተሓተ ዉጽኢት ዘመዝገበትሉ ዓመት ኰይኑ ተወዲኡ።
ብ 60 ነጥቢ ሻምናይ ደረጃ ሒዛ ወዲኣ፡ ቀጻሊ ሰሙን ምስ ሲቲ ኣብ ፍጻሜ ግጥም ኤፍ-ኤ-ካፕ ከትራኸብ እያ።
ኣብ መወዳእታ ሰሙን ፦
ፋልሃም ንሉቶን 4-2፥
ኖቲንግሃም ንበርንለይ 2-1፥
ኒው-ካስትል ን ብሬንትፎርድ 4-2 ስዒረን’የን።
ላሊጋ-ስፓኛ
መበል 37 ሰሙን ግጥማት ላሊጋ-ስፓኛ ኣብ ዝቀጸለሉ ዘሎ፡ ክለባት ባርሴሎና፥ጅሮናን ሪያል-ሶሲዳድን ክዕወታ ከለዋ፡ተዓዋቲት ላሊጋ ማድሪድ ማዕረ ተፈላሊያ፡ኣትሌቲኮ-ማድሪድ ተሳዒራ።
ክለብ ሪያል-ሶሲዳድ ኣብ ኤዉሮፓ-ሊግ ዘሳትፋ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ክለብ ካዲዝ ናብ ካልኣይ ዲቭዥን ወሪዳ ትርከብ።
ባርሴሎና ንራዬ-ቫሎካኖ 3-0
ጅሮና ንቫሌንሻ 3-1
ሪያል-ሶሲዳድ ንሪያል-ቤቲስ 2-0 ክስዕራ ከለዋ።
ማድሪድ ምስ ቪላርያል 4-4 ተፈላሊየን።
ኣትሌቲኮ-ማድሪድ ብኦሳስና 4-1 ተሳዒራ።
ካዲዝ ምስ ላስ-ፓልማስ 0-0 ምፍልላየን ስዒቡ፡ካዲዝ ወሪዳ።
ኣቀድም ኣቢለን ክለባት ግራናዳን ኣልሜራን፡ ካብ ላሊጋ ዝተሰናበታ ክለባት እየን።
ክለባት ሪያል-ማድሪድ፡ባርሴሎና ፡ጅሮናን ኣትሌቲኮ-ማድሪድ ኣብ ቻምፒየንስ-ሊግ ምስታፈን ዘረጋገጻ ክለባት እየን።
ኣትሌቲክ-ቢልባኦን ሪያል-ሶሲዳድ ኣብ ኤዉሮፓ-ሊግ ክሳተፋ እየን።
ኤዉሮፓ-ሊግ
ፍጻመ ግጥም ኤዉሮፓ-ሊግ፡ ሮቡዕ 22 ግንቦት 2024፡ኣብ መንጎ ኣትላንታን ባየር-ለቨርኩሰን ፡ኣብ ኣቪቫ ዱብሊን ኣረና ክራኸባ ኢየን።
ንክለብ ኦሎምፒክ-ማርሴይ ስዒራ ናብ ፍጻሜ ዝሓለፈት ክለብ ኣትላንታ ድሕሪ ዓመተ 1961 ንፈለማ እዋን ዋንጫ ንምዉሳድ ሓያል ጻዕሪ ክተካይድ እያ።
ጆ-ሃርት
ሓላዊ ልዳት ጆ-ሃርት ምስ ክለብ ሰልቲክ ተዓዋቲ ዋንጫ ስኮትላንድ-ሊግ ዓመተ 2023/24 ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ፕሪሚየር-ሊግ 4 ግዜ ተሸላሚ ወርቂ ጓንቲ ኮይኑ ዝነበረ ጆ-ሃርት፡ንሃገሩ ኢንግሊዝ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010፣2014 ወኪሉ ተጻዊቱ እዩ።
ምስ ክለብ ሰልቲክ ንመወዳእታ ጊዜ ፕሮፌሽናል ጸወታ ዘካየደ ጆ-ሃርት፡ኣብ ዓመተ 2009 ካብ ክለብ በርንለይ ምስ ተሰናበተ ህይወት ከቢዳቶ ኔራ።ናብ ቶተንሃም ኣቲዩ ምስቲ ሽዑ ቋሚ ሓላዊ ልዳት ቶተንሃም ዝነበረ ህጎ-ሎሪስ ክወዳደር ኣይከአለን።
ኣብ 2021 ናብ ሰልቲክ ኣምሪሑ ወዲ 34 ዓመት ኰይኑ እናሃለወ፡151 ግዜ ተሰሊፋ፡6ተ ዋናጩ ዓቲሩ’ዩ፡ጆ-ሃርት።
ማንቸስተር-ዩናይትድ
ኣብዚ ክረምቲ ዓባይ ክለብ ማንቸስተር-ዩናይትድ ብርክት ዝበሉ ተጻወቲ ክተሰናብት ምዃና ኣቀድም አቢሉ እናተሓበረ መጺኡ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ግጥም ኣንጻር ኒዉካስትል-ዩናይትድ ኣብ ሜድኣ ናይ መወዳእታ ግጥም ኣብ ፕሪምየር-ሊግ አብ ዘካየደትሉ፡ ንቫርነን ማርሻልን ብወግዒ ናይ ምስንባት ስነ-ስርዓት ዝተካየደሎም ኮይኑ።
ኣብ ክረምቲ ምስ ዩናይትድ ዝነበሮም ዉዕል ዝዉድኡ ዘለዉ ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ፡ጆኒ-ኢቫንስን ሓላዊ ልዳት ቶም-ሂቶን ክወጹ ምኳኖም ተፈሊጡ።
ሶፊያን-ኣምራባት
ክለባት ክሪስታል-ፓላስን ፋልሃምን ንሶፊያን-ኣምራባት ብቀዋሚ ከፈርምኦ ድልየት ከም ዘለወን ሓቢረን።
ኣብዚ ሕጅ እዋን፡ብልቓሕ መልክዕ ኣፈሪማ ተጻዉቶ ዘላ ክለብ ማንቸስተር-ዩናይትድ፡ ብቀዋሚ ክተፈርሞ ኣይትደልን እያ።
ሰለዚ ካብ ማንቸስተር-ዩናይትድ ክወጽእ ምኳኑ ተረጋጊጹ ይርከብ።
ቸልሲ (ኢስቴቫኦ-ዊሊያን)
ክለብ ቸልሲ ምስ ብራዚላዊት ክለብ ፓልሜራስ ኣብ ምስግጋር ተስፋ ዘለዎ ወዲ 17 ዓመት ኢስቴቫኦ-ዊሊያን ብ55 ሚሊዮን ፓዉንድ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሓ ተገሊጹ።
ኣብ ታሪኽ፡እቲ ዝኸበረ ካብ አመሪካ ናብ ኤዉሮፓ ዝተሰጋገረ ክኸዉን ተቓሪቡ ዘሎ ኢስቫኦ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ናብ ቸልሲ ክጽንበር እዩ።
ፕሪምየር-ሊግ
ሰለስተ ኣሰልጠንቲ፡ኡክለባት ፕሪምየር-ሊግ ትማሊ ብዕሊ ዝተሰናበቱ፣ኣሰልጣኒ ክለብ ሊቨርፑል፡ ጀርገን-ከሰሎፕ፣አሰልጣኒ ክለብ ዌስት-ሃም፡ደቪድ-ሞየስ ከም’ዉን ኣሰልጣኒ ክለብ ብራይተን ዲ- ዘርቢ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ማንቸስተር-ሲቲ (ፔፔ-ጋርዲዬላ)
ስፓኛዊ ኣሰልጣኒ ክለብ ማንቸ-ሲቲ፡ፔፔ-ጋርዲዬላ ምስ ሲቲ ዘለዎ ዉዕል ክሳዕ ዝዉድእ ማለት ስጋብ ወርሒ ሰነ 2025፡ኣብ ማንቸ-ሲቲ ክጸንሕ ምኻኑ ገሊጹ።
ባየር-ሙኒክ
ዓባይ ክለብ ጀርመን፡ባየር-ሙኒክ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ግጥም ቡንድስ-ሊጋ ብክለብ ሆፈንሄም ስለ ዝተሰዓረት፡ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ እያ ወዲኣ፡እዚ ከኣ ድሕረ ዓመተ 2010/11 ንፈለማ ግዜ እዩ።
ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ክለብ ስቱትጋርት እያ።
ኣንጀል-ዲ-ማሪያ
ኣርጀንቲናዊ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ፡ኣንጀል-ዲ-ማርያ፡ኣብ ክረምቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ተጻዋታይ፡አሜሪካዊት ክለብ ኢንተር-ማያሚ ሙዃኑ ተፈሊጡ።
ዲ-ማርያ ኣብ ክለብ ኢንተር-ማያሚ ንክልተ ዓመት ዉዕል ክፍርም ምዃኑን ኣብ ሓደ ዓመት ካብ መሃያን ሞቚሽሽን ስጋብ 12 ሚሊዩን ዶላር ናብ ካዝንኡ ከምዝእቱ ተፈሊጡ።
ዲ-ማሪያ፡ምስ በዓል ሜሲ፡ሱዋሬዝ፡ኣልባን ቡስኬትን ክራኸብ እዩ።
ክለብ ሰቪላ (ስፓኛ)
ካብ ዓመተ 2022 ክሳዕ ሕጂ ሓሙሽተ ኣሰልጠንቲ ዝቀያየረት፡ስፓኛዊት ክለብ ሰቪላ ምስ ኪከ-ሳንቸስ ብናይ ሓባር ምርድዳእ ዉዕሉ ክተቋርጾ ምኳና ይሕበር ኣሎ።
ክለብ ሰቪላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ንሎፕተጉይ፥ሳምፓኦሊ፥ መንዲሊባር፥ኣሎንሶን ኪከ-ሳንቸስ-ፍሎረስን ዝቀያየረት ክለብ ምኳና ተፈሊጡ።
ዳኒ-ብላይንድ (ጂሮና)
ሆላንዳዊ ቅድሚ ሕጅ ንክለብ ማንቸስተር-ዩናይትድ ክጻወት ዕድል ረኺቡ ዝነበረ፡ ዳኒ-ብላይንድ ምስ ሕጂ ዝጻወተላ ዘሎ ክለብ ጂሮና ስጋብ ወርሒ ሰነ ዓመተ 2026 ዘጽንሖ ሓድሽ ዉዕል ከቲሙ።
ክለብ ጅሮና ንላሊጋ-ስፓኛ ወኪለን፡ ኣብ ቻምፒየንስ-ሊግ ክሳተፋ ሓሊፈን ካብ ዘለዋ ክለባት ሓንቲ እያ።
ናፓሊ (ማሶን-ግሪን-ዉድ)
ክለብ ናፓሊ ንወዲ 22 ዓመት ተጻዋታይ ክለብ ማንቸስተር -ዩናይትድ፡ሕጅ ምስ ክለብ ጌታፌ ብልቓሕ መልክዕ ዝጻወት ዘሎ ፡ማሶን-ግሪን-ዉድ ክተሰጋግሮ ሕቶ ክተቕርብ ከም ዝጀመረት ሓቢራ።
ክለብ ጁቬንቱስ’ዉን፡ነዚ ኣብ ጽቡቕ ቁመና ዘሎ ግሪን-ዉድ ከተፈርሞ ድልየት ኣለዋ።
ክለብ ባየር-ሊቨርኩሰን (ጃቪ ኣሎንሶ)
ጀርመናዊት ክለብ ባየር-ሊቨርኩሰን፡ኣብ ሻምፒዬና ቡንድስ-ሊጋ ጀርመን ዝኾነ ዓይነት ስዕረት ከይቀመሰት ዝወድኤት ናይ መጀመርታ ክለብ ሙዃና ኣረጋጊጻ።
ኣብ 2023/24 ዉድድር ዓመት፡34 ግጥማት ዘካየደት ባየር-ሊቨርኩሰን፡ኣብ 28 ግጥማት ክትዕወት ከላ፡ኣብ 6 ግጥማት ማዕረ ተፈላሊያ፡ብዘይ ዝዀነ ስዕረት ነቲ ዉድድር ዛዚማቶ።
ብሓፈሻ
ኣብ ኩሉ ዓይነት ዉድድር ከኣ
ንመበል 51 ግዜ ከይተሰዓረት ትቅጽል ዘላ ብሕታዊት ክለብ እያ።
እዚ ዉድድር ዓመት ክዛዘም ንክለብ ባየር-ሊቨርኩሰን ክልተ ናይ ፍጻመ (ናይ ዋንጫ) ጸወታ ይጽበያ ኣሎ።
ንሱ ኸኣ፡ኣብ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ጀርመን (DFB POKAL)ን ኣብ ፍጻመ ኤዉሮፓ ዋንጫን እዩ።
ጀርመናዊ ማይክል-ባላክ
ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ዕድለኛታት፡ ካብ ዘይኮኑ ተጻወቲ ዓለምና፡ንሓደ ጸዉዑ እንተዝበሃል፡ ማይክል-ባላክ እንተተጸዉዔ ዝገርም አይኮነን።
ንሃገራዊት ጋንታ ጀርመን፣ ንክለባት ባየር-ሊቨርኩሰንን ቸልስን ዝተጻወተ ባላክ፣14 ግዜ ንፍጻመ ጸወታ በጺሑ፥ኣብ 14 ዝተሰዓረ ብምዃኑ እዩ፥ዕድል ዘይብሉ ተጻዋታይ ክበሃል ዝኸአለ።
ባላክ ዕድለኛ ዘይኮነሉ ኣጋጣሚታት ምስ እንርእይ ድማ፦
#4 ግዜ አብ ቡንድስ-ሊጋ-ጀርመን፥
#2 ግዜ ኣብ ፕሪምየር-ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ
# 2 ግዜ ኣብ ኮሚኒቲ ሽልድ
# 1 ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም
# 1 ግዜ ኣብ ሊግ ካፕ
# 1 ግዜ ኣብ ዋንጫ ኤዉሮፓ
# 1 ግዜ ኣብ DFB-POKAL
ኣብ’ዚኦም ግጥማት ዋንጫ ብዘይምዉሳዱ እዩ ዘይዕድለኛ ስፖርተኛ ክበሃል ክኢሉ ዘሎ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝ
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ናብ ዋንጫ ኤዉሮፓ ጀርመን 2024፡ሒዛቶም ትኸይድ ተጻወቲ ስም ዝርዝር ዕላዊ ጌራ።
አሰልጣኒ ጋሬዝ ሳዉዝጌት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝ፡ዝርዝር ኣስማት 27 ተጻወቲ፡ ኣብ ዝሓበረሉ ጊዜ፦ኣብ ዓመተ 2023/24 ብሉጻት ተጻወቲ ፕሪምየር-ሊግ ዝተበሃሉ ፡ፊል-ፎደንን ኮል-ፓልመር፡ተሰፋ ዘለዎ አከፋፋሊ ዩናይትድ፥ማይኖ፡ሳካ፡ጎርደን፡በሊንግሃም ከኣ ካብ ብሉጻት መንእሰያት ኣብታ ሓያል ጋንታ ዘለዉ ተጻወቲ እዮም።
ካብ ልምዲ ዘለዎም ድማ፦ማጉዌር፥ሄንደርሰንን ኬንን ይርከብዎም።ብተወሳኺ ንሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝ ድርዒ ዝዀንዋ ተጻወቲ፦ራይስ፥
ኣሌክሳንደር-አርኖድ፥ማዲሰን፥ ራሽፎርድ፣ ዋትኪንን ቶኒን ኣብ መሳርዓ ሒዛ ዘላ፡ንዋንጫ ልዑል ግምት ካብ ተዋሂብወን ዘለዋ ጋንታታት ሓንቲ እያ።
ቻምፒዬንስ ሊግ ኤዉሮጳ
ኣብ ዓመተ 2023/24፡ተዓዋቲት ቻምፒዬንስ ሊግ ኤዉሮጳ፡ንምፍላይ 25 ግንቦት 2024 ፡ ኣብ ዌምፕለይ ስታድዬም፡ ሪያል-ማድሪድን ቦርስያ-ዶርትሙንድን፡ሓያል ግጥም ከካይዳ እየን።
ኣብ ታሪኽ ቻምፒዬንስ ሊግ ኤዉሮፓ፡ክለብ ሪያል-ማድሪድ 14 ግዜ ብምዉሳድ ክብረወሰን ሒዛ ትርከብ።ማድሪድ ኣብ ቀጻሊ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ቦርስያ-ዶርትሙንድ እንተተዓዊታ ንመበል 15 ግዜ ተዓዋቲት ቻምፒየንስ -ሊግ ክትከዉን እያ።
ስጋብ ሕጅ ክለብ ሪያል-ማድሪድ 14 ግዜ ዋንጫ ብምዉሳድ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከላ፣ ኤሲ-ሚላን 7 ግዜ ብምዉሳድ ካልኣይቲ፣ሊቨርፑል ንባየር-ሙኒክን፣ማዕረ 6ተ ግዜ ተዓወቲ ኮይነን፣ባርሴሎናን አያክስን 4ተ ግዜ ተዓዊተን፣ማንቸስተር-ዩናይትድን ኢንተር-ሚላን ማዕረ 3ተ ግዜ ተዓዊተን፣ክለባት ቸልሲ፥ፖርቶ፥
ጁቬንቱሰ፣በነፊካን ኖቲንግሃም-ፎረስት ከክልተ ግዜ ክዕወታ ከለዋ ፣ክለባት ማንቸ-ሲቲ፡ኣስቶን-ቪላ፡ቦርስያ-ዶርትሙንድ፡ሰልቲክ፡ፌይኖርድ፡ኦሎምፒክ-ማርሰይ፡ፒኤስቪ-ኣይንድሆቨን፡ሬድስታር-ቤልግሬድ፡ሃምቡርግን ስታቱ-ቡካሬስት ሓደ ሓደ ግዜ ዋንጫ ቻምፒየንስ -ሊግ ዝወሰዳ ክለባት ኢየን።
ቻምፒየንስ -ሊግ
ፍጻሜ ግጥም ቻምፒየንስ-ሊግ ኤዉሮፓ፡ ኣብ መንጎ ሪያል-ማድሪድን ቦርስያ-ዶርትሙንድን፡ኣብ ዌምብሌይ ስታድየም 25 ግንቦት 2024 ዝካየድ፡ስሎቬንያዊ ማእከል ዳኛ ስላቭኮ-ቪንቺቺ ክምራሕ እዩ።
ዶርትሙንድ ንኣትለቲኮ-ማድሪድ 4-2 ስዒራ ተዓዋቲት ኣብ ዝዀነትሉ ህሞት፡ነቲ ጸወታ ብዳኝነት መሪሕዎ ምንባሩ ይዝከር።
ቻምፒየንስ -ሊግ (ማድሪድ)
ሓላዊ ልዳት ክለብ ሪያል-ማድሪድ፡ኮርቶኣ ኣብ ፍጻመ ግጥም ቻምፒዬንስ-ሊግ፡ናብ ሜዳ ተመሊሱ ኣብ ቀዋሚ ኣሰላልፋ ክኣቱ ከም ዝዀነ ተሓቢሩ።
ሱፐር-ኮፓ ኢታሊያና
ኣብ ቀጻሊ ዓመተ 2024/25፡ኣብ ሱፐር-ኮፓ ኢታሊያና፥ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝኻየድ ወድድር ክለባት፣ኢንተር-ሚላን፥
ኤሲ-ሚላን፥ጁቬንቱስን ኣትላንታን ከም ዝሳተፋ ኣረጋጊጸን።
ክለብ ሰልቲክ
ክለብ ሰልቲክ ኣብ ስኮትላንድ-ሊግ ሻምፒዬን ኾይና።
ሰልቲክ ብኣሰልጣኒ ብረንዳን-ሮጀርስ ተመሪሓ ተዓዋቲት እቲ ሊግ ኮይና ዘላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ክለብ ሌሲስተር-ሲቲ ኮይኑ ካብ ፕሪሚየር -ሊግ ናብ ቻምፒዬን-ሺፕ ዝወረደ ኣሰልጣኒ እዩ።
ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ንክለብ ሰልቲክ ተዓዋቲት ዋንጫ ጌርዋ። ገዲፍዋ ዝኸደ ክለብ ሌሲስተር ከኣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ፕሪሚየር-ሊግ ተመሊሳ።
ጁቬንቱስ
ክለብ ጁቬንቱስ፡ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ 5 ዓበይቲ ዉድድራት ክትሳተፍ እያ።ብቢያንኮኒ እትፍለጥ ክለብ ጁቬንትስ፡ኣብ ሴሪ-ኤ፡ቻምፒየንስ-ሊግ፡ኮፓ-ኢታሊያ፡ሱፐር-ኮፓ-ኢታሊያን ኣብ ዋንጫ ክለባት ዓለም ስለ ትሳተፍ ክሳዕ 65 ግጥማት ከተካይድ ትጽቢት ይግበር።