መራሒ ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈራረሞ ስምምዕ ከምዝትግበር ርግጸኛ ምዃኑ ገሊጹ
——————–0——————
መራሒ ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲ፡ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈራረመቶ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ስምምዕ ከምዝትግበር ርግጸኛ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም ንዕኡ ዝቃወሙ፡ “ካብ ክውንነት ርሒቖም ዝነብሩ እዮም” ክብል ሓይለ-ቓል ዝተሓወሶ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ሙሰ ኣብዲ ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ጽንብል እወጃ ናጽነት ናይታ ርእሰ-ምምሕዳር ብቐዳም 19 ግንቦት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝትግበር ምጥርጣር ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ሓጋጊ ኣካል ቀሪቡ ክጸድቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ ነቲ ስምምዕ ደው ዘብሎ ኣካል ከምዘየለ ብምትሕስሳብ፡ እቶም ንዕኡ ዝቃወሙ ወገናት፡ ንክውንነት ክቕበሉ ኣዘኻኺሩ።
ይኹንምበር፡ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ በቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ንሉኣላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማል ከምዝጠሓሰት ብምኽሳስ፡ ሃገሩ ነቲ ስምምዕ ብኣድማዕነት ክትቃለሶ ምዃናዩ ዘጠንቅቕ።
ብወገን ኢትዮጵያ ግን፡ ሕጂውን ዝተዋህበ ዝኾነ ይኹን መልሲ የለን። እንተኾነ፡ ምንጭታት ጋሮወኦንላይ፡ እቲ ጉዳይ ንርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሉታ ክጸልዎ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ብዓውታ ድሕሪ ዘስምዕዎ መረረ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ስምምዕ ክትስሕብ ከምእትኽእል እዮም ዝእምቱ።
ቱርክን ሶማልን፡ ቱርኪ ነቲ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ሶማል ክትከላኸለሉ ዘኽእል ስምምዕ ከምእተፈራረማ ይዝከር።