ዋንነት መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ዝዀነት ነፋሪት፡ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ
ዋንነት መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ዝዀነት፡ ካብ ሎንዶን ናብ ሲንጋፖር ትበረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ብዘጋጠማ ሓደጋ፡ ዛጊድ ህይወት ሓደ ሰብ ጠፊኡ ከም ዘሎ ጸብጻብ መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ ሓቢሩ።
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብዙሓት ካልኦት ተሳፈርቲ’ውን መጉዳእቲ በጺሕዎም ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።