ዕጡቓት ሑቲ፡ ድሮን ኣመሪካ ወቒዖም ከምዘውደቑ ገሊጾም
——————–0——————
ኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ሑቲ፡ ኤም.ኪው.9 ሪፐር ዝዓይነታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ወቒዖም ከምዘውደቑ፡ ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሓቢሩ።
እዛ ሑቲ ኣብ ማእከላይ የመን፡ ክፍለ-ሃገር ባይዳ “ተጻባኢ ንጥፈታት” ተካይድ ነይራ ዝበላ ድሮን፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብውሽጣዊ ዓቕሙ ብዘማዕበሎ፡ ካብ መሬት ናብ ጠፈር ዝውንጨፍ ሚሳኤል ከምእተወቕዐት፡ ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል የሕያ ሰሪዒ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ቴለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ተላፊኖም ኣብ የመን የካይድዎ ኣለዉ ንዝበሎ ዓመጽ ንምግጣም፡ ሓይልታቱ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ከማዕብሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ኣንጻሮም ዝቐንዐ ስርሒታት ካብ ዝጅምሩ ክሳብ ሕጂ፡ ሓሙሽተ ድሮናት ኣመሪካ ሃሪሞም ከምዘውደቑ ድማ ኣዘኻኺሩ።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ብዛዕባዛ ወዲቓ ትበሃል ዘላ ድሮን ዛጊት ዝበሎ ነገር የለን።