ሆስፒታል ኣልፋሸር ብደብዳብ ከቢድ ብረት ተወቒዑ
——————–0——————
ኣብ ኣልፋሸር፡ ርእሰ-ከተማ ሰሜን ዳርፎር ዝርከብ ፍሉይ ሆስፒታል መወለዳንን ህጻናትን ብሓይልታት ፈጣን ደገፍ ብዝተወንጨፈ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተወቕዐ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።
በዚ ብሰንበት 20 ግንቦት ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ትሽዓተ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፡ ኣብቲ ትካል ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ተፈሊጡ።
ነቲ ሆስፒታል ኮነ ኢሎም ብኸቢድ ብረት ዝወቕዑ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ፡ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኩነኔ ይውሕዞም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።
ሓይልታት ፈጣን ደገፍ፡ ብዘይካ ንኣልፋሸር፡ ንኩለን ካልኦት ኣብ ዳርፎር ዝርከባ ከተማታት ኣቐዲሞም ከምዝተቖጻጸርወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዛ እንኮ ዝተረፈቶም ከተማ ንምቁጽጻር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ከቢድ ውግእ ምቕናዮም ይፍለጥ።