ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ኢራናዉያን ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ንዝሞተ መራሒኦም ንምዝካር ናይ ሓዘን ሰልፊ ኣካይዶም።
ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን፡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ፡ ብምኽንያት ሞት ፕረሲደንት’ታ ሃገር፡ ሓሙሽተ መዓልታት ሓዘን ድሕሪ ምእዋጁ፡
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢራናዉያን፡ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ታብሪዝ ተኣኪቦም፡ ስነ-ስርዓት ስንበታ-ሓዘን ኣካይዶም። እቶም ሓዘንተኛታት፡ ባንዴራታት ኢራንን፡ ስእሊ መዋትን ብምሓዝ እዮም ሰልፊ ኣካይዶም።
እቲ ናይ ሓዘን ስነ-ስርዓት ወዲ 63 ፕረሲደንት ራይሲን ወዲ 60 ዓመት ኣሚራብን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ንገለ መዓልታት
ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ብርእሰ-ከተማ እታ ሃገር፡ ቴህራን ድሕሪ ምሕላፍ፡ ሓሙስ፡ ኣብ’ታ
ዝተወለደላን ዝዓበየላን ከተማ ማሽሃድ ዝዓበየን ዝኸበረን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክካየደሉ ምዃኑ፡ ኣዳለውቲ’ቲ ስነ-ስርዓት ኣፍሊጦም።
ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ምፍናው፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ወከልቲ መንግስታት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።