ታየ ደንዳኣ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ

ሚኒስተር ዲኤት ሰላም ኰይኑ ዝሰርሐ፡ኣቶ ታዬ ደንዳኣ፡ሎሚ ሰሉስ ኣብ ፌደራላዊ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ፡ንዝቐረበሉ ክሲ ግብረ- መልሲ ከምዝሃበሉ ተገሊጹ።

ጠበቓ ተኸሳሲ ዝኰነ አቶ የኃላሸት ታምሩ ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ፡ ከም ዝገለጾ ‘እቲ ክሲ፣ ገበናዊ ክሲ ኣይኮነን’ ክብል ከም ዝተቓወመን ንክማሓየሽ ኣመልኪቱ ድማ ከምዝሓተተን ጠቒሱ።

ነቲ ቃለ ተቃውሞ ዝሰምዐ እቲ መጋባኣያ ግና ‘ተኸሳሳይ ዘቕረቦ ሕቶ ምምሕያሽ መርሚሩ፣ ንምምሕያሽ ዘፍቅድ ሕጋዊ ኣገባብ የለን’ ክብል ነቲ ሕቶ ከም ዝነጸጎ ጠበቃ ገሊጹ።

ኣቶ ታዬ ደንዳኣ ኣብ ፈለማ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ 2023፥ብመሰረት ዝቐረቦ ክሲ “ንኢትዮጵያ ንምብታን ምስ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ጸረ-ሰላም ተሓባቢሩ፡ንልእኽቶ ጥፋት ብሚስጢር ተንቀሳቒሱ፡” ከም ዝተባሃለ ዝዝከር’ዩ።

ቤት ፍርዲ ንፈለማ ሰሙን ወርሒ ሰነ 2024 ካልእ ቆጸራ ሂቡ ንመጋባእያኡ ከም ዝዓጸወ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣቶ ታየ ደንደኣ፡ምስ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከቢድ ቅርሕትን ምጽባእን ብምእታው እዚ ኩሉ ስቓይን ምንግልታዕን ይበጽሖ ከም ዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ የገንዝቡ።