ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብዕጡቓት ተቐቲሉ።
ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ዕጡቓት ናብ’ቲ ኤርትራውያን ተዓቝቦሙሉ ዘለዉ ቦታ ብምምጻእ፡ንሓደ ካብ’ቶም ተዓቈብቲ ናብ በረኻ ወሲዶም ከም ዝቐተልዎ፡መቕርቡ ካብቲ መዓስከር ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝሃብዎ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 16 ግንቦት፡ ካብ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት፡በቶም ዕጡቓት ዝተወስደ ስደተኛ፡ብቐዳም ድማ ኣብ በረኻ ተቐቲሉ ከም ዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘሎ ግጭታት ኣብ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ብዙሕ ክሳራታት ክስዕብ ምጽንሑ ይሕበር።
ብፍላይ ድማ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዕጡቓት ዝግበር መጭወይትን መቕተልትን ዛጊድ መግትኢ ከም ዘይተረኽቦ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣድሂቦም ዝሰርሑ ትካላት የገንዝቡ።
ዝምልከቶ ኣካል ዉሕስነትን ሓለዋን ንስደተኛታት ክህብ ድማ ዝተፈላለዩ ጻውዒታት ክግበር ምጽንሑ ዝዝከር’ዩ።