ኮንጎ፡ዜጋታት ኣመሪካ ዝተሳተፉዎ ፈተነ መፈንቕለ-መንግስቲ ከም ዘፍሽለት ገሊጻ።

ሓለዋ ጸጥታ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ትማሊ ሰንበት ዕለት 19 ግንቦት፡ፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ ምፍሻሎም ገሊጾም።

ከም ሓበሬታ ምንጭታት እታ ሃገር ዘመልክቶ፡ኣስታት 50 ዝኣኽሉ ዕጡቓት’ዮም መሸፈኒ ገጽ ብምግባር፥ ንመንበሪ ኣባይቲ ፕረዚደንት ፈሊክስ ቲሽከዲ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፥ ሚኒስተር ምክልኻልን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን እታ ሃገርን ከም ዘጥቅዑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

መንግስቲ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ኣብ’ቲ ቀዳመ-ሰንበት “መኣርመም ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ” ኢሉ ዝገለጾ ተግባር፡ንሰለስተ ዜጋታት ኣመሪካ ከም ዝኰኑ ዝተገልጹ ድማ ካብ’ቶም ተሳተፍቲ ምዃኖም፡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከሲሱ ይርከብ።

ክርስቲያን ማላንጋ ዝተባህለ፡ ኣብ’ታ ሃገር ጽቡቕ ስም ከም ዘይብሉ ዝጥቀስ ተቓዋሚ ኣካል፡ንሓደ ዜጋ ኣመሪካ ዝዀነ ወዲ 21 ዓመት ውላዱ ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ንኽሳተፍ ድፍኢት ከም ዝገበረሉ እቲ ሓበሬታ የገንዝብ።

ኣብ’ቲ ትማሊ ሰንበት ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ፡ቀላሲ እቲ ተበግሶ ዝዀነ ክሪስትያን ማላንጋ፡ብሓለዋ እቲ ቤተ-መንግስቲ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ካብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ ብማሕበራዊ መራኽቦ ፈይስ-ቡክ ኣቢሉ ቀጥታዊ ፈነወ ጀሚሩ ምንባሩ እቲ መግለጺ የመልክት።

ኣብ’ቲ ፍሹል ስርሒት ሰለስተ ዜጋታት ኣመሪካ ከም ዝኰኑ ዝተገልጹ፡ተወላዶ ሪፓብሊክ ኮንጎ ተታሒዞም ከም ዘሎዉን ካብ መንጎ’ኦም ወዱ ንመራሒ እቲ ፈተነ ዕልዋ ዝዀነ ወዲ 21 ዓመት ማርሰል ማላንጋን ከም ዝርከብዎም ተገሊጹ።

ኣዲኡ፡ኣብ’ቲ ተግባር ፍሹል መፈንቅለ መንግስቲ፡ኢድ ከም ዘይብሉ እትገልጾ ማርሰል፡ ኣመሪካዊ ዜጋ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ብዛዕባ ተራ ዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ፈተነ ፍሹል ዕልዋ መንግስቲ፡ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ከኣ፡ኣመሪካ ብደረጃ ፖሊሲ ከም’ኡ ዓይነት ንሓደ ሕጋዊ መንግስቲ ብሓይሊ ምዕላው ከም እትቃወም ገሊጹ።

እቲ ኣፈኛ፡በቲ ዝተፈጸመ ተግባር ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ንመንግስቲ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዎ ድጋፍ ብምሕባር፡ኣብ መርመራ’ውን ምሉእ ምትሕብባር ክገብሩ ብወገኑ እቲ ሚኒስትሪ ዘለዎ ድልውነት ገሊጹ’ዩ።

እቲ ፈተነ ዕልዋ ብሰንበት ምፍሻሉ እኳ እንተ ተገልጸ፡ክሳዕ ትማሊ ሰኑይ ግን ብገለ መልክዑ ቀጺሉስ ንሓደ ኣፈ-ጉባኤ ንምዃን ኣብ መስርሕ ምቅርራብ ዘሎ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር’ውን፥ ንመንበሪ ቤቱ ኣጥቂዖም ክልተ ካብ ሓለውቱ ቀቲሎሞም እዮም።

ነቲ መጥቃዕቲ ዘውረደ ዕጡቕ፥ ምቕታሉ’ውን፡ማዕከን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ ይርከብ።