ኣልሸባብ ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣዛዚ መዚዙ
——————–0——————
ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ከምዝመዘዘ፡ ካብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ሑሴን ሸኽ ዓሊ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ሓድሽ ኣዛዚ ኣብ መሬት ንዝግበር ኩሉ ናይ ኣጋር ስርሒታት ክመርሖ እዩ።
እዚ ጉሌድ ኢልካካሲ ዝተባህለ ኣዛዚ፡ ኣብ መሰረታት ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ልዑል ተቐባልነት ከምዘለዎን ምስ ካልኦት መራሕቲ ኣልሸባብ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ዝምድና ከምዝውንን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብዛዕባ ጉሌድ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር እኳ እንተዘየለ፡ ሓደ ዝኸድዐ ኣባል ኣልሸባብ ነበር ንድምጺ ኣመሪካ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ እቲ ኣዛዚ ኣብታ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ዘይረኣየላ ፑንትላንድ ዝነበረ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግመት።
ንሱ፡ ነቲ ኣብ 2022 ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም “ግሎባዊ ኣሸባሪ” ዝተመዝገበ ያሲር ጅዒስ ተኪኡ ክሰርሕ ከምዝኽእል እውን ኣመታት ይወጽእ ኣሎ።