ምክትል ሓለቓ ስታፍ ሩስያ ብብልሽውና ተኣሲሩ
ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዝጀመረቶ ናይ ብልሽውና ክሲ ብምቕጻል፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ራብዓይ ላዕለዋይ መኮነን ኣሲራ።
ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር ብረቡዕ 22 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ምክትል ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ሩስያ ሌተና ጀነራል ቫድሚን ሻማሪን ንክልተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ ክጸንሕ ወሲኑ።
እቲ ምክትል ሓለቓ ስታፍ ብተወሳኺ፡ ሓላፊ ዳይረክቶረይት ርክብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እውን ዝነበረ ኮይኑ፡ ገዚፍ ጉቦ ብምቕባል ተጠርጢሩ እዩ ተቐዪዱ ዘሎ።
ወሃብ ቃል ክረምሊን፡ “ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና፡ ቀጻሊ እዩ” ክብል ድሕሪ ሕጂውን ዝእሰሩ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ኣሚቱ። ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ፡ ዕጫ ናይቲ ጀነራል እንታይ ከምዝኸውን ግን ኣይኣንፈተን።