
ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሜክሲኮ ትርከብ ኣውራጃ ኔቮ ሊዮን ጎስጓስ ፕረስደንታዊ ምርጫ ዝካየደሉ ዝነበረ መድረኽ ብምፍራሱ ሓሙሽተ ሰባት በቲ ዝተፈጥረ ሓደጋ ህይወቶም ክስእኑ ከለው ኣስታት 50 ዝዀኑ ድማ ከም ዝቆሰሉ ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ከተማ ሳን ፔድሮ ጋርሽያ ጎስጓስ ፕረስደንታዊ ምርጫ ዘካይድ ዝነበረ ናይ ዜጋታት ምንቅስቓስ ሰልፊ ሕጹይ ዝኾነ ጆርጌ ኣልቫረዝ ማይነዝ፡ እቲ ሓደጋ ብሑጻ
ዝተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላዊ ንፋስ ከም ዝተኸስተ ብድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ንሱ ብድሕሪ እቲ ሓደጋ ብህጹጽ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል
ተወሲዱ ሕክምናዊ ክትትል ከም ዝተገበረሉን ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከብ ብምሕባር ናይ ጎስጓስ ምርጫ ኣባላቱ ዝኾኑ ሰባት ግና ከም ዝተሃስዩን
ብኡ ምኽንያት ድማ ነቲ ከካይዶ ዝጸንሐ መዳባት ጎስጓስ ንግዚኡ ደው ከብሎ ከም ዝወሰነ ኣብቲ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ዝሃቦ መግለጺ ኣረዲኡ።
ይኹን እምበር ኣማሓዳሪ ናይታ ከተማ፡ ብምኽንያት ሓያል በርቅን ህቦብላዊ ንፋስን ነበርቲ ካብ ቤቶም ንኸይወጹ ኣጠንቂቑ ከም ዝነበረ ዘርኢ ቪድዮ
ብምውጽኡ፣ እቲ ሓደጋ ኣቐዲምካ ካብ ዘይምጥንቃቕ ዝሰዓበ ከም ዝኾነ ድሕርቲ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ነበርቲ ከተማ ሳን ፔድሮ ገሊጾም።
ኣልቫረዝ ማይነዝ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ 2 ሰነ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፕረስደንታዊ ምርጫ፡ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ሕጹይ ከም ዝኾነ ካብታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።