ሓይልታት ወሃብ ፈጣን ደገፍ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣልፋሻር ንዝርከባ ዓድታትን ኣብ ሓደ ዝተመዛበሉ ሱዳናውያን ብብዝሒ ዝርከብሉ መዓስከርን ጽዑቕ ደብዳብ ናይ ከቢድ ብረትን ሮኬታትን ከም ዘካየደ ተሓቢሩ።
ብሰሪ እቲ ደብዳብ ብዙሓት ሲቪላውያን ሰባት ኣደዳ ሞትን መቑሰልትን ከም ዝኾኑን ብዙሕ ኣባይትን ዓበይቲ ህንጻታትን ከም ዝዓነወን ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፣ እቶም ብወለንታ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ኮይኖም ኣንጻር ሓይልታት RSF ዝዋግኡ ዘለው ብህዝባዊ መኸተ ዝፍለጡ
ሱዳናውያን፡ ናብ ምሉእ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዘለዎ ስሩዕ ብርጌድ ክሰጋገሩ መደብ ከም ዘውጸ ተገሊጹ።
ጀነራል ኣልቡርሃን እቶም ብወለንታ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለው ሱዳናውያን ብቑጽሪ ንሰለስተ ርብዒ ጠቕላላ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝሽፍኑ ከም ዝኾኑ ብምግላጽ
ነቲ ክሳብ ሕጂ ብተወፋይነት ዘካይድዎ ቃልሲ ንኢዱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣብ ምክልኻል ገበን ዘርኢ ምጽናት ዝኾነት ኣሊስ ንደሪቱ፡
ኣብ ግጭት ሱዳን ምልክታት ዓሌታዊ ምጽናት ይርአ ከም ዘሎ፡ ድሮ’ውን ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ ድሕነት ሲቪላውያን ሰባት ክረጋገጽ ተማሕጺና።