ባይቶ ጸጥታ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኣልሸባብ ማዕቀብ ኣንቢሩ
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ መራሕቲ ኣልሸባብ ናይ ቁጠባን ምንቅስቓስን ማዕቀብ ከምዘንበረ ጋሮወኦንላይን ሓቢሩ።
ንሳቶም፡ ዓብደልቃድር መሓመድ ዓብደልቃድር፡ መሓመድ ማሕሙድ ሚረን መሓመድ ዑመር መሓመድን ዝተባህሉ መራሕትን ንጡፋት ኣባላትን
ኣልሸባብ ኮይኖም፡ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ስርሒታት ብምሕንጻጽ፡ ብምምዋል፡ ብምስላጥን ብምውህሃድን ድሕሪ ምኽሳሱ እዩ፡ ባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ኣንቢርሎም ዘሎ።
ባይቶ ጸጥታ ድሕሪቲ ውሳኔ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ግዳያት ናይቲ ማዕቀብ “ንዓለማዊ ምርግጋእን ድሕነትን ሓደጋን ስግኣትን እዮም” ክብል ገሊጽዎም።