መንግስቲ ቱርኪ ንመስጊድ ኣልነጃሽ ክጽግኖ ተሰማሚዑ
መንግስቲ ቱርኪ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ከቢድ ዕንወት ዝወረዶ ኣብ ትግራይ ዝርከብ
ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ክጽግን ከምእተሰማምዐ፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ መንግስቲ ቱርኪ ክንደይ ዝኣክል ባጀት ከምዝመደበሉ እኳ እንተዘይገለጸ፡
ዘድሊ ገንዘባውን ቴክኒካውን ደገፍ ብምግባር ነቲ መስጊድ ክጽግኖ ምዃኑ ግን ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ናይ ጽገና ስራሕ ዝመጽእ ሰሙን ብወግዒ ክጅምር ምዃኑ ድማ ኣፍሊጡ።