ኢጣልያ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ቓዛ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፥ ንፍልስጤማዉያን ስደተኛታት ዳግማይ ምወላ ክትጅምር ምዃና ሓቢራ።

እስራኤል ብዘቕረበቶ ክሲ፡ኢጣልያ ንሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ምስቲ ብ7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ዝተኣሳስር፡ንኣዋርሕ ነቲ ትካል ትህቦ ዝነበረት ምወላ ሓገዝ ኣቛሪጻ ድሕሪ ምጽንሓ፡ዳግም ምወላ ሓገዝ ክትጅምሮ ምዃና ሓቢራ።

እስራኤል ዘቅረበቶ ክሲ፡ ክምርምር ዝጸንሐ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዝነበረት ካትሪን-ኮሎና ዝምራሕ፡ናጻ ዳግመ ግምት UNRWA፡እስራኤል ንክሳ ዝድግፍ ዝኮነ መርትዖ ብዘይምቅራባ፡ኢጣልያ እትርከበን ሓያሎ ምዕራባዉያን ሃገራት ለገስቲ ሓገዝ ዳግማይ ክጅምራ ዝወሰና።

እስራኤል፡ብድሕሪ እቲ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ፡ብዝወሰደቶ ግብረ-መልሲ ልዕሊ 35 ሽሕ ፍልስጤማዉያን ተቀቲሎም እዮም።

ብጉጅለ ሓማስ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ልዕሊ 1100 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ኣስታት 250 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ይግለጽ።

ድሕሪ ናይ ኣሰታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ኲናት እስራኤልን ፍልስጤምን፡ምድሪ ፍልስጤም ናብ ዑና ተቀይሩ ከም ዘሎ ጸብጻባት ኣረጋጊጾም ይርከቡ።

ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2023፡ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ካብ’ቶም ኣስታት 13 ሽሕ ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ስደተኛታት ቓዛ:እቶም ዝበዝሑ ኢድ ኣለዎም ኢላ ብምኽሳሳ፡ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ብርኡይ ክዉስክ ክኢሉ እዩ።

እዚ ድማ ንላዕለዋይ ኢድ ዘለዋ ለጋሲት ሓገዝ ኣሜሪካ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ሃገራት፡ነቲ ትካል ዝወሃብ ዝነበረ ምወላ ሃንደበት ደዉ ምባለን ስዒቡ፡ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ቓዛ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኢጣልያ፡ንሓገዝ ፍልስጤማዉያን ስደተኛታት ዝዓለሙ ፍሉያት ፕሮጀክትታት ብምድላዉ፡ ዳግማይ ምወላ ኽትጅምር ወሲና።ኣስታት 38 ሚሊዮን ዶላር በጀት ሰሊዓ ከምዘላ ኣረጋጊጻ።

ኣሜሪካን፥ሕብረት ኤውሮጳን ሓዊሱ መብዛሕትኤን ወሰንቲ ለገስቲ ሃገራትን፡ ዳግማይ ምወላ ንሰብኣዊ ሓገዝ ቓዛ ጀሚረን ከም ዘለዋ ተፈሊጡ።

ዳርጋ ንኩሉ ዕማማት ሰብኣዊ ሓገዝ ቓዛ ዘወሃህዱ ሰራሕተኛታት UNRWA እዮም።