ሩስያን ኢትዮጵያን ናይ ጠፈር ምትሕብባር ክገብራ ምዃነን ተገሊጹ
ሩስያን ኢትዮጵያን፡ ናይ ጠፈር ምትሕብባር ንምግባር ዘኽእለን መርሓ ጎደና ከማዕብላ ምዃነን፡ ሓላፊ ኮርፖሬሽን ጠፈር ፈደረሽን ሩስያ (ሮዝኮስሞስ) ዩሪ ቦሪሶቭ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ቴለቪዥን ሩስያ-24 ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ምስዛ ሓዳስ ኣባል ብሪክስ ዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት
መደባት ሓንጺጽና ኣለና፣ ኣብ ኩሎም ዘገድሱ ጉዳያት ድማ መርሓ ጎደና ከነማዕብል ኢና” ድሕሪ ምባል፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ
መጻኢ ሓያለ ናይ መረዳእታ መዘክራት ክፈራረማ ምዃነን ኣፍሊጡ።
ሮዝኮስሞስ፡ ንጉዕዞታት ጠፈር፡ መደባት ኮስሞናቲክስን መጽናዕቲታት ጠፈርን ዘማሓድር፡ መንግስታዊ ኮርፖሬሽን ፈደረሽን ሩስያ እዩ።