ወተሃደራዊት ድሮን ኢትዮጵያ ወዲቓ ተረኺባ
ኣብ ዞባ ወለጋ ናይ ኢትዮጵያ፡ ሆሮ ጉድሩ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሓንቲ ወተሃደራዊት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ወዲቓ ከምእተረኽበት ቢቢሲ ሓቢሩ።
እዛ ባይራክተር ቲቢ-2 ዝዓይነታ ድሮን፡ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምዃና፡ ኣብ ኣህጉራውያን ወተሃደራውያን ትካላት ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ገሊጾም።
እታ ድሮን ተዓጢቓቶም ዝነበረት ክልተ ሚሳኤላት፡ ከይተፈንጀሩ ኣብ ጎድና ከምእተረኽቡ እውን እቲ ማዕከን ዜና ኣረጋጊጹ።
ዋጋ ናይታ ድሮን ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ከምዝግመት ዝገለጹ ሰብ ሞያ ናይቲ ዓውዲ፡ እቶም
ተዓጢቓቶም ዝነበረት ክልተ ሚሳኤላት ድማ ነፍሲ-ወከፎም ካብ 60 ክሳብ 100 ሽሕ ዶላር ከምዝሽየጡ ኣረዲኦም።
እቶም ሰብ ሞያ፡ እታ ድሮን ብወተሃደራዊ መሳርያ ተወቒዓ ከምዝወደቐት ዝሕብር መረዳእታ ከምዘይረኸቡ ኣፍሊጦም።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ነዛ ኣብ ናይ ሕርሻ ግራት ወዲቓ ዝተረኽበት ድሮን ብዝምልከት ዛጊት ዝበሎ ነገር የለን።