ቃሲም ብርጌድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣሃዱ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓድሽ ናይ ሮኬታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ተሓቢሩ።
እስራኤል ናብ ዞባ ቓዛ ዝበጽሕ ሰብኣዊ ረድኤት ብመንገዲ ካራም ኣቡ-ሳሌም ምሕላፍ ከም ዝጀመረ ገሊጻ።
ብመሰረት ሚንስትሪ ጥዕና ዞባ ቓዛ
ኲናት እስራኤል ሓማስ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዛጊት 35.984 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ክሕበር ከሎ፡ ካብታ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል
ድንገታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመላ ዕለት ንደሓር ጀሚሩ ኣስታት 1200 እስራኤላውያን ክቕተሉ ከለው ልዕሊ 5 ሽሕ ድማ ከም ዝቆሰሉ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቃሲም ብርጌድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣሃዱ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓድሽ ናይ ሮኬታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ተሓቢሩ።
ይኹን እምበር እቲ ብሓይልታት ሓማስ ናብ ማእከላይ እስራኤል ከተማ ቴል-ኣቪቭ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ምክልኻል ኣየር እስራኤል ከም ዝበርዓነ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ገሊጹ።
ሓይልታት ሓማስ እቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ግብረ መልሲ ናይቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ሸነኽ ቓዛ ዝርከብ ዝተመዛበሉ
ፍልስጤማውያን ዝርከብሉ ቦታ ዘካየደቶ ብውሕዱ ኣስታት 15 ሰባት ዝቐተለ ደብዳብ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።