ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሊትዊንያ፡ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብምስዓር ዳግማይ ተዓዊቱ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሊትዊንያ፡ ጂናታስ-ናውዴሳ፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢንግሪዳ-ሺሞኒተ ብዘመዝገቦ ዓወት፡ ንኻልኣይ ግዜ ሓሙሽተ ዓመት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኾይኑ ክመርሕ ተመሪጹ።

ማእከላይ ኮሚሽን ምርጫ ሊትዊንያ፡ኣብ ዘቕረቦ መባእታዊ አሃዛት፡ናዉዴሳ 74.5%፡ሽሞኒተ ድማ 24.1% ድምጺ ከም ዝረኸቡ ገሊጹ።
ሰራሕተኛ ባንኪ (ባንከር) ዝነበረ ናውዴሳ፡ኣብ ዓመተ 2019፡ናብ ፖለቲካ ብምእታዉ፡ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተዓወተ።

ብስትራጂካዊ ሊትዊንያ፡ኣብ ምብራቕ ሸነኽ ኔቶ ምህላዋ፡ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባዉያን ብሰንኪ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ፕረዚደንት ናይታ ብተዛማዲ ንእሽቶ ሃገር ኣገዳስነቱ ወሲኹ’ሎ።

እዞም ክልተ ኣብ ዓመተ 2019 ኣብ ዝተካየደ ምርጫ ተወዳዲሮም ዝነበሩ ኮይኖም፡ናውዴሳ 66% ብምርኻብ ተዓዊቱ ምንባሩ ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ የረድእ።

ናውዴሳ፡ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024፡ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመት ስልጣኑ መታን ከጽንዕ ቃለ ማዕላ ከኻይድ እዮ።

ሊትዊንያ፡አስታት 3 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ሓንቲ ካብ ሰለስተ ሃገራት ባልቲክ ኮይና፡ምስ ሃገራት ቤላሩስ፥ላቲቫ፥ ፓላንድን ሩስያን ብባሕሪ ድማ ምስ ሽወደን ትዳወብ ሃገረ እያ።