ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ኣብ ትርከብ ሓንቲ ዓዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ልዕሊ 2000 ሰባት ብህይወቶም ከም ዝተቐብሩ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።
እቲ ልዕሊ 2000 ሰባት ብህይወቶም ከለው ዝቐበረ ከቢድ ሓደጋ ምህማም መሬት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጽን ሕርሻን ናይታ ዓዲ ከቢድ
ዕንወት ከም ዘውረደ ሰበስልጣን እታ ሃገር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ገሊጾም።
እታ ኣዝዩ ዕሙር ምንቅስቃስ ዝነበራ ኣብ ኣውራጃ ኢንጋ ትርከብ ዓዲ ሓደ ሙንጋሎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓብዪ ጎቦ ድንገት ድሕሪ ምምቃሉ ዳርጋ ምሉእ
ብምሉእ ክብሃል ብዝኽእል መንገዲ ከም ዝተደምሰሰት ኽሕበር ከሎ፡ ነበርቲ ናይታ ዓዲ ኣኣብ ቤቶም ብሰላም ደቂሶም ከለው በቲ ዘጋጠመ ኣሰምባዲ ምህማም መሬት ከም ዝተዓብጡ ተገሊጹ።
ብመሰረት ካብቲ ኸባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ምህማም መሬት ሓደጋ ገና ቀስ ኢሉ ይቕጽል ብምህላው፡ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባትን
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ንሓደጋ ኣብ ዝተቓልዐ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።
ሰበ-ስልጣን ፓፕዋ ኒው ጊኒ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ፡ ህጹጽ ደገፍ ናይ ጎሮባብቲ ሃገራትን ሰራዊት ምክልኻልን ከም ዘድልዮ ብምሕባር ናይ ሓገዝ ጻውዒት ከም ዝገበሩ NDTV ዝተባህለ ሜድያ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ።