ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምድንፋዕ ይደፍእ
ሚኒስተራት ምክልኻል ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ብዛዕባ ዝድንፍዓሉ ኣገባብ ንምዝታይ ሎሚ 28 ግንቦት ተጋቢኦም ውዒሎም።
ማዕረ-ማዕረቲ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሕታት፡ ኣብ ስጳኛ፡ ቤልጁምን ፖርቹጋልን ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ። ድሮ ከኣ፡ ሓያለ መብጽዓታት ኣውሒሱ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቤልጁም ሓጃ ላሒብ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ንዩክረይን 30 ኤፍ16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ከተዕጥቓ ምዃና ብምግላጽ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ጽዕነት ኣብዚ ዓመትዚ ክለኣኽ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤልጁም ብግዲኡ፡ “ዩክረይን፡ ዝሓሸ ኣጽዋር ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ እንተዕጢቕናያ ጥራይ እያ፡ ነቲ ወራሪ ጸፊዓ ክትመልሶ እትኽእል” ክብል ኣስሚሩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኔዘርላንድስ ካይሳ ኦሎንግረን ብወገና፡ ሃገራ ፓትርዮት ዝተባህለ ስርዓተ ምክልኻል ነፈርቲ ንዩክረይን ከተቕርበላ ምዃና ኣፍሊጣ። “ዩክረይን እንተላይ ናይ ኤውሮጳ ውግእ እያ ትዋጋእ ዘላ” ድማ ኢላ።
ፕረዚደንት ሰለንስኪ፡ ኣብ ስጳኛ እውን ተመሳሳሊ ሓገዝ ክረክብ ዘኽእሎ ስምምዕ ብሰኑይ 27 ግንቦት ከምእተፈራረመ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።