ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ኣላማጣ ከም ዝወጹ ምውሳኑ ጊዝያዊ ምምሕዳር’ቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ጋርጃለን በቅሎ-ማነቅያን ዝተባህሉ ከባቢታት ኣላማጣ ንክወጹ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ምውሳኑ፡ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምምላስ ተመዛበልቲ ንምቅልጣፍ እቲ ውሳነ ከም ዝተወሰነ ሓቢሮም ክትብል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺባ።
ኣካቢ ኮሚቴ ምምላስን መንነትን ራያ ወሎ ኣምሓራ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ፥ዕጡቓት ክልል ትግራይ ክወጹ ተወሲኑ ዝተባህለ “ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንምድንጋር እዩ” ብምባል “ሕጂ እውን ተዀነ ተወሰኽቲ ዕጡቓት ይኣትዉ ኣለዉ” ምባሉ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝርከቡ ነበርቲ፡ንማዕከን ዜና ድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ድማ፥ ሓይልታት ጸጥታ ፌደራል ኣብታ ከተማ ከም ዝርከቡ ብምግላጽ መንግስቲ ብቅልጡፍ ምምሕዳር ብምጥያስ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንክጅምር ሓቲቶም ከም ዘሎዉ እቲ ሓበሬታ የገንዝብ።