ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ፈጣን ደገፍ ከምዘፍሸለ ገሊጹ
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ባብንሳ፡ ምዕራብ ኮርዶፋን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከሩ ብሓይልታት ፈጣን ደገፍ ንተፈነወ መጥቃዕቲ፡ መኪቱ ከምዘበርዓነ ገሊጹ።
እዚ ብ27 ግንቦት ኣብ ልዕሊ ማእከል እዚ ኣጋር ክፍለ-ሰራዊት 22 ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሰራዊት ሱዳን ብዝወሰዶ ጸረ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከምዘውረደ ሱዳን ትሪቢዩን ሓቢሩ።
ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ብሰንበት 26 ግንቦት እውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ማእከልነት ኣጋር ብርጌድ 89 ተመሳሳሊ ፈተነ ኣካዮዶም፡ ብሰራዊት ሱዳን ተጸፊዖም ከምእተመልሱ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብሰራዊት ሱዳን ዝተዘርግሐ ኣሳእል እውን፡ ኣብቲ ውግእ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዝወረዶም እዩ ዘመልክት።