ፖሊስ እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ምሸት 27 ግምቦት 2024፥ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ፥ ጎደና ሃጋና ንዘጋጠመ ቅትለት ሓደ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መርመራ ጀሚሩ ከም ዝርከብ ጸብጻባት የመልክቱ።
ዛጊት ኣብ’ቲ ትማሊ ለይቲ ዝነበረ ባእስን ናዕብን ዝተሳተፉ 20 ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።
ኣብ’ቲ ዘጋጠመ ናዕቢ ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሕክምና ተወሲዶም ኣለው።
ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ቴልኣቪብን ካልኦትን፡ ኣብቲ ብኤርትራውያን ክርበሽ ዝሓደረ ከባቢ ሸኮናቲግባ ተረኺቦም፡ ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቦም ኣለው።
ኣብ እስራኤል፡ ከምዚ ዓይነት ግጭት ኣብ መንጎ ደለይቲ ለውጥን ደገፍቲ ህግደፍን ብዝያዳ ኣብ እዋን ሃገራዊ በዓላት ኤርትራ ከጋጥም ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ እቲ ጎንጽታት ኣብ ዝዀነ ቦታን ግዜን ይፍጸም ብምህላዉ፡ ኣብ ነበርትን ሓይልታት ጸጥታን እታ ሃገር ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ።