ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ 30 ግምቦት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተጋብአ መስርሕ ፍርዲ ብብዙሕ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ንሱ፡ ንሓንቲ ኣፍራይት ጽዩፍ ፊልምታት (pornography) ዝዀነት ሰብ ግቦ ብምኽፋልን ጾታዊ ርክባት ብምፍጻምን፡ መዝገባት ንግዲ ብምትምያንን፡ ንናይ 2016 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንረብሓኡ ንምጽላው ሽርሒ ብምእላምን፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኰይኑ ረኺቡዎ ኣሎ።
እዚ ገበናት’ዚ፡ ነቲ ኣብ ዝቕጽል ፕርሲደንታዊ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክዕወት ዝቃለስ ዘሎ ትራምፕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጒኖ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ግምታት ኣሎ።
በዚ ተዋሂቡ ዘሎ ገበናዊ ፍርዲ እቶም ፕረሲደንት ንክኸውን ትጽቢት ዝጸንሖም ደገፍቱ ንልቦም ዝመቓቕል ፈተና ገጢሙዎም ኣሎ።
እቲ ፕረሲደንት ነበር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ይግባይ ብምባል ነቲ መስርሕ ፍርዲ ከም ዝመጥጦ ትጽቢት ዝግበረሉ’ኳ ተዀነ፡ ገበነኛ ኰይኑ ኣብ ምርጫ ክወዳደር ከሸግሮ ምዃኑ ግን ዘይሰሓት’ዩ።
ንሱ ካብ ኩሎም ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ነበር፡ ንማእሰርቲ ዘዳርግ ገበን ዝተረኽቦ ናይ መጀመርያ መራሒ ኰይኑ ኣሎ