ሃገረ ስፐይን ንእስራኤል ብናይ ምጽናት ዘርኢ ክሲ ንምኽሳስ ምስታ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክሲ ዝመስረተት ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽትሓብር ኣመልኪታ!
ስፐይን ኣካል ናይቲ መንግስቲ ፕሪቶርያ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ዘ-ሄግ ንእስራኤል ብዓሌታዊ ምጽናት ዘርኢ ዝኸሰሰትሉ ንምዃኑ ከም ዝወሰነት ብመንገዲ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ከም ዝገለጸትን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ንሕና ኣብ ዞባ ቓዛን ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ክምለስ ኢና’ ክብለ ከም ዝተዛረበን ዘ-ታይምስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እስራኤል ገሊጹ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ፣ እስራኤል ንኣህጉራዊ ስምምዕ ዓሌታዊ ምጽናት ትጥሕስ ኣላ ብምባል ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዞባ ቓዛ ናይ ዘርኢ ምጽናት ገበናት ይፍጽሙ ኣለው ክትብል ክሲ ከም ዝመስረተት ይፍለጥ።
ይኹን እምበር እስራኤል ነቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ክሲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መሰረት ዘይብሉን ክትብል ብምግላጽ፣ እስራኤል ተመሊሳ ንደቡብ ኣፍሪቃ ከም ፍልይቲ ወኪልን ልእኽትን ናይ ኣሸባሪ ጉጅለ ሓማስ ጌራ ወቒሳታ።
እስራኤል ወሲኻ፣ እቲ ብኢራን ሰፊሕ ደገፍ ከም ዝግበረሉ ዝተረጋገጸ ሓማስ፣ እስራኤል ትበሃል ሃገር ፈጺማ ካብ ገጽ ምድሪ ክትሕከኽ ኣለዋ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ከም ዘለዎ እናተፈልጠ፣ ንሓማስ ደጊፍካ ንእስራኤል ምጥቃን ምስሉይነት ብምባል፣ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብፍሉይ ንዒላማታት ሓማስ ኣነጻጺሩ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም ሓቢራ።
ዝሓለፈ ወርሒ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘ-ሄግ እስራኤል ንኸተማ ራፋ እንተደኣ ወሪራ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ እታ ከተማ ዓብዪ ዕንወት ከም ዝወርድ ብምግላጽ ነቲ ሰራዊት እስራኤል ንኸተማ ራፋ ንምውራር ዝሓዞ መደብ ደው ከብሎ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ።
ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ስፐይን፣ ጆሴ ማንዌል ኣልባረዝ ካብ ማድሪድ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ “ንሕና ኣብ ዞባ ቓዛ ሰላም ክምለስ ኢና ንደሊ፣ ድሌትና ክውን ንክኸውን ድማ ናይ ግድን ንውሳኔ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ክንድግፍ ኣለና” ክብል ከም ዝተዛረበ ጋዜጣ ዘ-ታይምስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
እስራኤል ንኸተማ ራፋ ንኸይትቆጻጸር ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሰፊሕ ተቓውሞ ከጋጥማ እኳ እንተጸንሐ፣ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ግና ተቓውሞ ማሕበረ-ሰብ ብዘየገድ ንሓማስ ንምጥፋእ ንራፋ ምቁጽጻር ግድን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ናብ ከተማ ራፋ ይደፍእ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ።
ሜክሲኮ፣ ኮሎምብያ፣ ኒካራጓ፣ ሊብያ ከምኡ’ውን ፍልስጤማውያን ድሮ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝቐረበ ክሲ ብምድጋፍ፣ ካብቲ ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ዝርከብ ዓለም-ለኻዊ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ዝጽበያ ዘለዋ ሃገራት እየን።