መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ፡ካብ ወራር ናዚ ሓራ ዝወጻሉ መዓልቲ ጸንቢሎም።
መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ፥ ንመበል 80 ዓመት ኤውሮጳ፡ካብ ወራር ናዚ ሓራ ዝወጸትሉ መዓልቲ፥ሓሙስ 6 ሰነ 2024፡ኣብ ገማግም ፈረንሳ ተራኺቦም ከም ዝጸንበልዎ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ጸብጺበን።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፥ ንጉስ ብሪጣንያ ቻርለስ ሳልሳይ፥ ቀዳማይ ሚንስተር ካናዳ ጃስትን ትሩዶ፡ገለ ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ቦታ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ክኾኑ ከለው፡ንሓይልታት እቲ ሕብረት ብምውካል ነቶም ኣብቲ እዋን ዝተሰውኡ ስውኣት ዘኪሮም።
ኣብ ዓመተ 1944፡73 ሽሕ ዝኰኑ ሰራዊት ኣመሪካ ነቲ ዋሕዚ ሓይልታት ጀርመን ክዓግትዎ ብምኽኣሎም፡ስዕረት ናዚ ክውን ክኸውን ከም ዝገበረ ሰነዳት ታሪኽ የመልክቱ።