ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ሎጂስቲካዊት ከተማ ክትሃንጽ ምዃና ተፈሊጡ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ሎጂስቲካዊት ከተማ ክትሃንጽ ዘኽእላ ስምምዕ ከምዝፈረመት ማዕከናት ዜናታ ሃገር ገሊጸን።
እታ ኣብ ውሽጢ ናጻ ዞባ ጂቡቲ እትህነጽ ሎጂስቲካዊት ከተማ 120 ሽሕ ትርብዒት ሜተር ስፍሓት ዘለዋ ኮይና፡ እቲ ኮንቺስዮነ (ስምምዕ) ድማ ን92 ዓመታት ዝጸንሕ እዩ።
ነቲ ስምምዕ፡ ብወገን ስዑዲ ዓረብ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣብያተ ምኽሪ ንግዲ ናይታ ሃገር ሓሰን ኣልሑወይዚ፡ ብወገን ጂቡቲ ድማ ፕረዚደንት በዓል መዚ ወደባትን ናጻ ዞባታትን ዑመር ሓዲ ፈሪሞምዎ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሰበ ስልጣን ጂቡቲ፡ ንስዑዳውያን ኣውፈርቲ ማዕረ ኣተሓሕዛን ቀረብ ዕድላትን ከምዝግበረሎም ኣረጋጊጾም።