ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሓያለ ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ተጋሩ ምዃኖም ብዝተገልጹ ዕጡቓት ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሓያለ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝተጨውዩን ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ 04 ሰነ ምሸት ኣብ ወረዳ ዓደርቃይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንግዜኡ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ከምእተቐትሉን ከምዝቖሰሉን፡ ሰለስተ
ካልኦት ድማ ከምዝተጨውዩ፡ ድምጺ ኣመሪካ ንነበርቲ ናይቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ። ኣብ ንብረት እውን ክሳራ ከምዝወረደ ተገሊጹ።
እቶም በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ወሪድዎም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት፡ ኣብ ሆስፒታል መባእታ ቤት ትምህርቲ ወልቃይት ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ከምዘሎ
እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ካብቶም ተጨውዮም ዝተወስዱ ሰለስተ ሰባት፡ እቲ ሓደ ተወጊኡ ክምለስ እንከሎ፡ ሃለዋት ናይቶም ክልተ ግን ክሳብ ሕጂ ከምዘይፍለጥ፡ ኣመሓዳር ዓደርቃይ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ውሽጢዚ ሰሙንዚ ክልተ ኣመሓደርቲ ወረዳ ብጥይት ከምእተቐትሉ ተፈሊጡ።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ወረዳ ቀውት ወይዘሮ ሚሊሹ በቀለ ትማሊ 06 ሰነ ኣብ ውሽጢ ከተማ እናተንቀሳቐሰት ከላ ብዝተተኮሰላ ጥይት ተቐቲላ።
እዛ ግዳይ ነፍሰ-ጾር ምንባራ ካብቲ ወረዳ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት እውን፡ ኣማሓዳሪ ወረዳ ኤፍራት ግድም ኣቶ ኣልብስ ኣደፍራሽ ብዕጡቓት ከምእተቐትለ ይዝከር።