ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ጆርጅያ-ሜሎኒ፡ምስጋና ንምቕራብ ናብ ኣልባንያ ኣቅኒዓ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ጆርጅያ ማሎኒ፡ናብ ክልተ መዕቆቢ ስደተኛታት ብምድላዉ ፡ስደተኛታት ንምቕባል ፍቃደኛ ንዝኾነት ኣልባንያ፡ምስጋና ንምቕራብ ዓሊማ ናብ አልባንያ ኣምሪሓ ከም ዘላ ኣሶሸይትድ ፕረስ ካብ ቲራና ኣልባንያ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሜሎኒን፡ መዘንኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልባንያ ኤዲ-ራማን፡ኣልባንያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተትቲ ዑቕባ ንምቕባል ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ኣዳሊያ ክትቅበል ድልዉቲ ምዃና ድሕሪ ምርግጋጻ፡ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስምምዕ ከም ዝተፈራረማ ዝፍለጥ’ዩ።
እቲ ስምምዕ ፊርማ ኣልባንያ፡ኣብ ነፍስ-ወከፍ ወርሒ ክሳብ 3000 ዝዀኑ፡ካብ ኣህጉራዊ ማያት ዝደሓኑ ስደተኛታት ከተዕቁብ ዝገብር እዩ።
ሜሎኒ፡ነቲ ኣካታዒ ዉጥን፡ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ምስዳድ ናብ ካልእ ሃገር ፡ስደተኛታት ክዀኑ ዝደለዩ ሰባት፡ ነቲ ሓደገኛ መሳገሪ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ ከይከፍሉ ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ትገልጽ።
እንተዀነ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቃወምቲ ኣባላት ባይቶ ሓለዋ ስደተኛታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብምዃኑ ይቃወሙ ኣለዉ።
ዑደት ሜሎኒ፡ቅድሚ’ቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ስደት ጎስጓስ ኮይኑ ዝጸንሐ፥ ካብ ዕለት 6-9 ሰነ 2024 ዝካየድ ምርጫ ኤዉሮፓ፡ሓደ መዓልቲ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ሜሎኒን የማናዉያን መሻርኽታን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ሃገራት ኤዉሮፓ፡ካብ’ቲ ናይ ስደት ጾር ዝያዳ ክካፈላ ክጠልባ ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ።
ስምምዕ ኣልባንያ ድማ ንዓመታት ንሕብረት ኤዉሮፓ ዘጨነቐን ጸገም ዝሓሸ መፍትሒ ምዃኑ ኣሚነናሉ ኣለዋ።
ካብ ርሑቕ የማናዊ ሰልፊ ኣሕዋት ኢጣልያ ዝዀነት ሜሎኒ፡ ነቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መስመራት ስደተኛታት ንዝካየዱ ፕሮጀክታት ንምምዋል፡ዝሓሸ ቁጽጽር ንምክያድ፡ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ናይ ኣልባንያ ማእከላት ስደተኛታት ንምስራሕ ዝተሓንጸጸ መደብ ዕዉት ምዃኑ ይእመነሉ ክትብል ሓቢራ።
ሜሎኒ፡ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ ቲራና ንሰሜን 80 ኪሎ ሜተር ርሒቃ እትርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ነበር ግጃርደን፡ ንሓንቲ ካብ’ተን ክልተ ማእከላት መዕቆብቲ ስደተኛታት ከም ዝበጽሓት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።