ብኣገልግሎት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ህዝቢ የማርር
ኤርትራውያን ተቐማጦ ኡጋንዳ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ብዝህቦ ድኹም ኣገልግሎትን ከቢድ ፋይናንስያዊ ተጽዕኖን ኣመና መሪሩዎም ምህላዉ ይገልጹ።
ብሰንኪ’ቲ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ እናንቆልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ኣገልግሎት እቲ ኤምባሲ፡ ህዝቢ ንሰራሕተኛታት’ቲ ኤምባሲ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ከም ዘይረኽቦምን ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ተመለሱ እናተባህሉ ይከላበቱ ምህላዎምን እቲ ህዝቢ ብመረረ ይሕብር።
እቲ ኤምባሲ “ኣገልግሎት ኦንላይን ብ ኢንተርነት ንህብ ኢና” ዝብል’ኳ ተዀነ፡ ነቲ ዌብሳይቶም ግን ሓንቲ ቀዳም ኣብ ሰሙን ንሳ’ውን ንሓንቲ ሰዓት ጥራይ ብምኽፋት ኳሕኲሕካ ከም ዘይትረኽቦም ብምግባር፡ ዝበዝሕ ምስ ህዝቢ ዘለዎም ርክባት፡ ብመንገዲ ባዕሎም ዝሓረዩዎም ደላሎ የካይዱዎ ምህላዎም ይፍለጥ። እቶም ደላሎ’ውን መትሓዚ ቆጸራ ገንዘብ እናሓተቱ ተወሳኺ ፋይናንስያዊ ተጽዕኖ ፈጢሮም ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ። ብመንገዲ’ቶም ደላሎ ቆጸራ ተታሒዙልካ እንተዘይኰይኑ፡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣብ ቤት-ጽሕፈቶም ብቐሊሉ ክርከቡ ከም ዘይክእሉን፡ ኣብ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ክሳብ ትበጽሕ ከኣ እትኸፍሎ መጠን ገንዘብ ስለዘይሕበር ህዝቢ ኣደዳ ዘይተደልየ ኰለልን ተወሳኺ ወጻኢታትን ኰይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብዘይካዚ 2% ብምባል ንኹሉ ፓስፖርት ዘለዎን ከሐድስ ዝመጸን 70 ዶላር የኽፍሉ ምህላዎም ይሕበር። ካብኡ ዝኸፈአ ከኣ፡ 200 ዶላር ናይ ኮቪድ ክፈሉ እናበሉ ንህዝቢ ኣብ ጨው ቀትሪ ይዘምቱ ምህላዎም ተገልገልቲ የማርሩ።
እዚ ዘርእየካ ሓቂ ተሎ፡ ዝበዝሕ መንእሰይ ለቢሙ ካብ መጻወድያኦም እናወጸ ይኸይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ነቶም ብጸገሞም ይዂን ብፍትወቶም ምስቲ ስርዓት ተኣሳሲሮም ዝቕጽሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዕጽፍጻፍ እናኽፈለ ካብ ካልኦት ዝጐደሎ ይምልእ ምህላዉ’ዩ።